መስርሕ ዕቚባ
መርሓ ውጥን (2)
ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ
ብመሬት ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ብመንገዲ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ኢኻ ዑቕባ እተመልክት። ነዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንዳዊት ገጠር ተር ኣፐል ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ናይ ዑቕባ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ኣንብብ።
መስርሕ ዶብ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ምስ በጻሕካ ዑቕባ ምሕታት
ሓበሬታ

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ድማ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ። ብድሕሪኡ እውን IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ A ወይ B ክትቕበል ምኻንካን ዘይምዃንካን ይውስን። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለኻ ምስ እትኸውን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ናብ ኔዘርላንድ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ምምጻእ
ብነፋሪት ብስኺፖል (Schiphol)፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ኣቲኻ? ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ዘኽእል ሕጋዊ ቪዛን ፓስፖርትን ድማ የብልካን ድዩ? ስለዚ ኣብኡ ኢኻ ዑቕባ እትሓትት። ብድሕሪኡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ኮይንካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ትጽበይ።

ካብ ውሕስቲ መበቆል ሃገር ዝመጻእካ ምስ ትኸውን ቅልጡፍ መስርሕ
ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ውሕስቲ ዝኾነት ሃገር እንተድኣ ኮይንካ መጺእኻ፣ ሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ክምስራሕ እዩ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኔዘርላንድ (IND) ንሕቶ ዑቕባኻ ንኽነጽጎ ድማ ዓቢይ ዕድል ኣሎ።

መስርሕ ዱብሊን
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከተመስርሖ ከም ዘለዋ ክውስን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድማ ናብ መስርሕ ዱብሊን ትኣቱው። መስርሕ ዱብሊን ብኸመይ ከምዝካየድ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባኻ ብግቡእ ንምድላው እዚ ክትገብር ትኽእል
ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባኻ ቅድሚ ምጅማሩን፣ ምስ IND ናይ መጀመርታ ቃለ-መሕትት ቅድሚ ምግባርካን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ንኹሉ ክፋላት ናይ ህድማ ታሪኽካ፣ ድሒርካ ከምዚ ናይ ሕጂ ጽቡቕ ገይርካ ዘይትዝክሮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዊሕ ግዜ ክትጽበይ ዘለካ ምስ እትኸውን፣ ብኸመይ ነቲ መስርሕ ብዝበለጸ ክትዳሎ ከም እትኽእል ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

LHBTI ምስ እትኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ
ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃጊ ክልቲኡ ጾታ፣ ስግረ-ጾታ ወይ ሞንጎ-ጾታ ስለ ዝኾንካ ዲኻ ሃዲምካ/ኪ? ስለዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ብዛዕባ እዚ ንጠበቓኻን ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትነግሮም ኣገዳሲ እዩ።

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ
ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ንበይንኻ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ሃዲምካ? ስለዚ እቲ ንዓኻ ዝምልከት መስርሕ ዑቕባ ካብቲ ንበጽሒታት ዝምልከት ቁሩብ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍሉያት ሕግታትን ኣለዉ፣ ተወሳኺ ደገፍ ድማ ክትረክብ ኢኻ። እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምምስራሕ ዝያዳ ግዜ የድልዮ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኸይድ። ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ድማ IND ናብ VA ክትከይድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። እቲ VA ንገለ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ክጸንሕ ድማ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ እትሓትት ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት እዚኦም እዮም
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እንተድኣ ኣመልኪትካ መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ኩነትካን፣ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንዝወሃብ ውሳኔ ክሳብ ክንደይ ግዜ ክትጽበይ ዘለካ ኣብ ምዃንካን ዝምርኮሱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕካ ናብ ካልእ መዕቆቢ ቦታ ክትግዕዝ ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት ዝያዳ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትፈልጦ ዘለካ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ልዑል ዕድል ምስ ዝህልወካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ድሮ ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።