ብመዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ወይ ብወደብ ኣቢልካ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ዑቕባ ንኸተመልክት ናብ Koninklijke Marechaussee (KMar) ሓብር።
ምንጪ፡ Shutterstock, Dutchmen Photography
ዓንቀጽ

ናብ ኔዘርላንድ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ምምጻእ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:28 ቅ.ቀ.

ብነፋሪት ብስኺፖል (Schiphol)፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ኣቲኻ? ናብ ኔዘርላንድ ንምእታው ዘኽእል ሕጋዊ ቪዛን ፓስፖርትን ድማ የብልካን ድዩ? ስለዚ ኣብኡ ኢኻ ዑቕባ እትሓትት። ብድሕሪኡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ኮይንካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ትጽበይ።

ኣብ ስኺፖል ወይ ወደብ ምስ መጻእካ እዚ ክትገብር ኣለካ

ብማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ብኻልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ብወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ሕጋዊ ቪዛን ፓስፖርትን ስለዘይብልካ ናብ ኔዘርላንድ ክትኣቱው ድማ ኣይፍቀደልካን ድዩ? ስለዚ ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ናብ ዝርከብ Koninklijke Marechaussee (KMar) ትሕብር። ዑቕባ ከተመልክት ከም እትደልይ ድማ ትነገሮም። ብድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ክትውሰድ ኢኻ፣ ኣብኡ ድማ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ን Koninklijke Marechaussee ብኸምዚ ከተለልዮም ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ምስ በጻሕካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ን

Koninklijke Marechaussee (KMar)
ንገሮም። ንKMar ብዝኽደንዎ ብድሕሪቱ ‘Koninklijke Marechaussee’ ዝተጻሕፎ ጅለ ክትፈልጦም ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰማያዊ ቈብዕ እውን ይኽደኑ። ከምኡ እውን KMar ኣጽዋር ይዕጠቚ እዮም።

ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል Marechaussee ኣብዚ ክትረኽቦም ኢኻ 

ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ መቆጻጸሪታት ፓስፖርት እውን KMar ክትረክብ ኢኻ። ወይ ድማ ኣብ መበገሲ ኣዳራሽ 1። KMar ክሰጎካ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክመልሰካ ኣይክእልን እዩ፣ ከምኡ እውን ብመሰረት

ዋዕላ ስደተኛታት
ንኽሕግዘካ ግዴታ ኣለዎ።

Marechaussee ናብ ዕጹው መዕቆቢ ክወስደካ እዩ

ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ድሕሪ ምንጋርካ፣ KMar ናብ ሓደ ኣብ ስኺፖል ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ክወስደካ እዩ። ኣብ ወደብ ኣብ ዝርከብ KMar ዑቕባ እንተድኣ ሓቲትካ እውን ናብዚ ዕጹው መዕቆቢ ኢኻ እትውሰድ። እዚ ቦታ Justitieel Complex Schiphol (JCS) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ክሳብ ዝወስዶ ግዜ ድማ ኣብዚ ዕጹው መዕቆቢ ክትጸንሕ ኢኻ። 

እቲ ኣብ JCS ዝርከብ መዕቆቢ ዕጹው ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ናብ ኔዘርላንድ ንኽትኣቱው (ገና) ፍቓድ ስለዘይረኸብካ እዩ። ገና ብወግዒ ኣብ ክሊ ግዝኣት ናይ ኔዘርላንድ ኣይኮንካን ዘለኻ። ቤት-ማእሰርቲ ኣይኮነን፣ ግን ድማ ከምኡ እዩ ዝመስል። ካብ JCS ባዕልኻ ክትወጽእ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ወግዓዊ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ኣብቲ ዕጹው መዕቆቢ ከተቕርብ ትኽእል

ኣብ

Justitieel Complex Schiphol (JCS)
ብወግዒ ዑቕባ ትሓትት። ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ወይ ኣብ ወደብ ዑቕባ ስለ ዘመልከትካ ድማ ካብቲ ብመሬት ናብ ኔዘርላንድ ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ዝካየድ ዝተፈልየ መስርሕ ክህልወካ እዩ። እዚ ፍሉይ መስርሕ ድማ 'መስርሕ ዶብ' ይበሃል። መስርሕካ ክሳብ ዝወስዶ ግዜ ኣብዚ ዕጹው መዕቆቢ ክትጸንሕ ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?