ዜና 16 ሚያ 2025 ኣብ ኔዘርላንድ ኣበዓዕላ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ኣብ ኔዘርላንድ ዓርቢ ስቕለትን ፋሲካን ህዝባዊ በዓላት እዮም። እዚ ዓመት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ሚያዝያ 18፣ ፋሲካ ድማ ሚያዝያ 20ን 21ን 2025 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ።
ዜና 28 መጋ 2025 ናይ ክረምቲ ግዜ ኣብ 30 መጋቢት 2025 ይጅምር ኣብ ቀዳም 29 መጋቢት ናብ ሰንበት 30 መጋቢት ዘውግሕ ለይቲ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግዜ 1 ሰዓት ንቕድሚት ክዘልል እዩ። ነዚ ናይ ክረምቲ ግዜ ኢልና ንጽውዖ። እዚ ዝኸውን ሰዓት 2 ናይ ለይቲ እዩ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።
ዜና 27 ለካ 2025 መመልከቲ ግብሪኻ እተቕርበሉ ግዜ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ መመልከቲ ኣታዊ ግብሪ ከተቕርብ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ገንዘብ ከምዝረኸብካ ወይ ከምዝተቐበልካ ንበዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ።
ዜና 27 ለካ 2025 ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባ ክሳብ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ 2025 ንነፍስወከፍ ሕቶ ዑቕባ ብዝምልከት ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትን 2ይ ቃለ-መሕትትን ንምግባር ነዊሕ ግዜ ክትጽበይ ኣለካ። ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዘለዉ ናይ ምጽባይ ግዜታት ኣብዚ ኣንብብ።
ንጥፈት 14 ጥሪ 2025 ኣብ እዋን ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ ሓድሽ ስራሕ ድለይ ኣብ ረቡዕ 29 ጥሪ 2025 ዝካየድ ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ፣ ስራሕ ንምርካብ ዕድላት ክህብ እዩ። እቲ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ 'Johan Cruijff Arena' እዩ ዝካየድ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝደልያ ትካላት ድማ ናብኡ ክመጽኣ እየን። ኣብቲ ዕዳጋ-ዕዮ ንምስታፍ ምዝገባ ግዴታ እዩ።
ተመኩሮታት 9 ጥሪ 2025 ፍቕራዊ ቆጸራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ "ብስምዒታዊ ርሕቐት ተጸጊመ" ፍቕራዊ ዝምድናታት ምህናጽ ንሓደስቲ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሰባት ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍልስጤማዊ ዳና ሞትላክ (31) ከምኡ እውን ሶርያዊ ራሚ ድራክዞኒ (26) ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝጸንሕሉ ቀዳሞት ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናታት ዝነበሮም ተመኩሮ የካፍሉ።