ምንጪ፡ Jan H Andersen
ዓንቀጽ

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/12/2024 2:00 ድ.ቀ.

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ንበይንኻ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ሃዲምካ? ስለዚ እቲ ንዓኻ ዝምልከት መስርሕ ዑቕባ ካብቲ ንበጽሒታት ዝምልከት ቁሩብ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍሉያት ሕግታትን ኣለዉ፣ ተወሳኺ ደገፍ ድማ ክትረክብ ኢኻ። እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ውድብ ኒዶስ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ይድግፈካ

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ዲኻ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ውድብ

Nidos
ዝርርብ ክትገብር ኢኻ። እዚ ውድብ ንዓኻ ዝኸውን
ሞግዚት
ከዳልወልካ እዩ። እዚ ሞግዚት ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ናትካ ሓላፍነት ይስከምን፣ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ይድግፈካን።  

ኣብ ርእሲ እቲ ሞግዚት ናይ ምርካብ መሰል፣ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ካልኦት ብርክት ዝበሉ መሰላት ኣለዉኻ፡

ኔዘርላንድ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ሓላፍነት ትወስድ

ኔዘርላንድ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ባዕላ ከተመስርሖ ኣለዋ፣ ዋላ ድሮ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ኣብ እትርከብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ወይ ተመዝጊብካ ዘለኻ ምስ እትኸውን እውን። IND ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት ጥራይ እዩ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ክሰደካ ዝኽእል፡

  • ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ኣባላት ስድራ-ቤት ምስ ዝህልዉኻ።

  • ድሮ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ።

በጽሒ ሰብ (ልዕሊ 18 ዓመት) ናብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ክለኣኽ ይኽእል እዩ። ኔዘርላንድ ነዚ ክትገብሮ እትኽእል፣ እቲ ሰብ ኣብታ ሃገር ድሮ ዑቕባ ሓቲቱ ወይ ተመዝጊቡ ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ድማ ኔዘርላንድ ነታ ካልእ ሃገር ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብመንገዲ መስርሕ ዱብሊን ብምቕጻል ንኸተመስርሖ ትሓትት።

ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ዑቕባ ትሓትት

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኩሉ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እትርከብ ቁሸት ተር ኣፐል እዩ ዘመስርሖ። ኣብ ካልእ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ቦታ ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ባዕልኻ ናብ ተር ኣፐል ክትጓዓዝ ኣለካ። ብነፋሪት ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ንክፍሊ ቚጽጽር ፓስፖርት ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ምስ ነገርካ ናብ ተር ኣፐል ክትውሰድ ኢኻ።

IND ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ንዕድመኻ ኣብ ግምት የእቱው

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን፣ ንበይንኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካን፣ ልክዕ ብኸምቲ በጽሒታት ሰባት ዝሓልፍዎ መስርሕ ዑቕባ ኢኻ ትሓልፍ። እንተኾነ ግን እቲ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝግምግም

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
፣ ንዕድመኻ ኣብ ግምት የእቱው እዩ። ንኣብነት፡

  • ሞግዚትካ ኩሉ ግዜ ምስ IND ኣብ እትገብሮም ቃለ-መሕትታት ይርከብ።

  • IND ንቃለ-መሕትታት ዝያዳ ግዜ ክህበካ ይኽእል።

  • IND ነቶም ሕቶታት ብዝበለጸ ምእንቲ ክትርድኦም ብዝተፈለየ ኣገባብ ክሓተካ ይኽእል።

ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉ ካብ ምምላስ ምክልኻል ክትረክብ መሰል ኣለካ

ኣብ ኔዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኻ ተነጺጉ ድዩ? ስለዚ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ግን ብሃውሪ ብኣስገዳድ ከም እትምለስ ምግባር ኣይከኣልን እዩ።

IND መጀመርታ ንኽመልሰካ ውሑስ ምዃኑ ብመርትዖ ከረጋግጽ ኣለዎ። ንኣብነት፣ ክኣልዩኻ ዝኽእሉ ስድራ-ቤት ዘለዉ እንተኾኑ፣ ከምኡ እውን ክትነብረሉ እትኽእል ብቚዕ ቦታ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምሩ። እዚ መርመራ መብዛሕትኡ እዋን ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። እቲ መርመራ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኢኻ። ብተግባር ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ምምላስ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ 18 ምስ እትመልእ እዚ ይኸውን 

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ 18 ዓመት እንተድኣ መሊእካ፣ እቲ መስርሕ ብመሰረት ንበጽሒታት ሰባት ዝምልከቱ ሕግታት እዩ ዝቕጽል። መሰላትካ እውን ይቕየሩ፡

  • ደጊም ንመንእሰያት ዝኸውን ፍሉይ መዕቆቢ ክትረክብ መሰል ኣይህልወካን። ናብ ናይ በጽሒታት መዕቆቢ ትግዕዝ።

  • ደጊም ኣብ እዋን መስርሕ ዝሕግዘካ ሞግዚት ካብ ኒዶስ ኣይትረክብን።

  • ገና ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለካ፣ ትምህርትኻ ክትዛዝም ድማ ትኽእል ኢኻ፣ ኮይኑ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ሒደት ሓገዝ ወይ ምርሒት ትረክብ።

  • ክንክን ጥዕና ክትረክብ ገና መሰል ኣለካ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር