
ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትፈልጦ ዘለካ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ልዑል ዕድል ምስ ዝህልወካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ድሮ ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ።
መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ
ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ እንተድኣ ጸዲቑ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ፣ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ናብ IND ከተረክብ ኣለካ።
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምድላው
ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ ልዑል ዕድል ካብ ዘለዋ ሃገር ዲኻ መጺእካ? ምናልባት ንእተመልክቶ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ድሮ ቅድመ-ምድላዋት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነቲ መመልከቲ ዘድልዩኻ ሰነዳት ክትእክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰነዳት ምእካብ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። ንኣብነት እቶም ሰነዳት ካብ መበቆል ሃገርካ ክለኣኹ ዘለዎም ምስ ዝኾኑ።
ናይ ዑቕባ ፍቓድ ናይ ምርካብን፣ ስለዚ ድማ ብሰንኩ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸተመልክትን ልዑል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይትፈልጥን ዲኻ? ስለዚ ኣብ VluchtelingenWerk Nederland ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ርክብ ግበር። እቲ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ እዚ ክመኽረካ ይኽእል እዩ።
ሰነዳትካ ከየተርጎምካ ተጸበይ
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት እትእክቦም ወግዓዊ ሰነዳት ክትርጎሙ ኣለዎም። ነቶም ሰነዳት ንምትርጓም ድማ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ነቲ ትርጉም ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። ስለዚ ድማ ክሳብ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዝህልወካ፣ ሰነዳት ምትርጎም ምጽባይ ዝበለጸ እዩ።