ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ
ምስ IND ኣብ ተር ኣፐል 1ይ ቃለ-መሕትት ትገብር
ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ምህዳምን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ንቃለ-መሕትት ብኸመይ ከም እትዳሎው ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።
ቃለ-መሕትት ንምግባር ምዕዳም
ምስ
ብተወሳኺ ብኢንተርነት ብመንገዲ MyCoa ፖስታ መጺኡካ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ V-ቁጽሪኻ እንተድኣ ጽሒፍካዮ፣ ቀጠልያ ወይ ቀይሕ ፖስታ ክትርእይ ኢኻ። ቀጠልያ ፖስታ ማለት ፖስታ መጺኡካ ኣሎ ማለት እዩ። ቀይሕ ፖስታ ማለት ድማ ዝመጽኣካ ፖስታ የለን ማለት እዩ።
My COA
IND ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ነዚ ይሓትት
ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት
ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
እዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዘይ ጠበቓ በይንኻ ኢኻ ምስ IND እትገብሮ። 2ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ቁሩብ ግዜ ምስ ተረፈካ ጥራይ እዩ ጠበቓ ዝምደበልካ።
ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትነግር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።
ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ዝርርባት ምሳኻ መዘኻኸሪ ጽሑፋት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት ኣይትፈልጦን ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ
ኣብ እዋን እዚ ቃለ-መሕትት ዝኾነ ጠበቓ የለን
ነዚ 1ይ ቃለ-መሕትት በይንኻ ብዘይ ጠበቓ ኢኻ ምስ IND እትገብሮ። 2ይ ቃለ-መሕትት ንኽትገብር ቊሩብ ምስ ተረፈካ ጥራይ እዩ ጠበቓ ዝምደበልካ። ኣብዚ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ዳሕራይ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትዛረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ምስ እትደልይ፣ IND ኣብዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሮ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።
ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ቃለ-መሕትታት መዘኻኸሪ ጽሑፋት ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ድማ ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት እንተድኣ ዘይትፈልጦ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ኣብ እዋን ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተረክብ ድማ ትኽእል ኢኻ።
ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ
ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
ኣብ IND ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ
ሕጂ ኣብ IND ናይ መጀመርታ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ብማእከላይ ገምጋም 15 ሳምንታት ትጽበይ።