መስርሕ ዶብ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ምስ በጻሕካ ዑቕባ ምሕታት
ናብ Koninklijke Marechaussee ትሕብር
ብማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ካልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ከምኡ እውን ዑቕባ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ፣ ግን ድማ ናብ ኔዘርላንድ ክትኣቱው ኣይፍቀደልካን ድዩ? ስለዚ ናብ Koninklijke Marechaussee (KMar) ሓብር፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ድማ ንገሮም።
ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ትፍርም
ናብ
ስምካ፣ ዕለት ልደትካን ዜግነትካን
KMar ስእልኻ ይወስዱ፣ ከምኡ እውን ኣሰር ኣጻብዕትኻ ይወስዱ።
KMar ክዳውንትኻን ሻንጣኻን ይፍትሹ፣ ከምኡ እውን ምናልባት ተሌፎንካ ወይ ካልኦት ኣቚሑትካ ንኽፍትሽዎም ካባኻ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። KMar ሰነዳት ወይ ኣቚሑት እንተድኣ ወሲዶምልካ ናይዚ መረጋገጺ ብወረቐት ክትቕበል ኢኻ። ነዚ ወረቐት ኣብ ጽቡቕ ኣቐምጦ። ድሒርካ ድማ ነዞም ኣቑሑት በዚ ወረቐት ተጠቂምካ ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ።
KMar ብዛዕባ መንገዲ መገሻኻ፣ ወይ ኣቀዲምካ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ዘመልከትካ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ስድራ-ቤት ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ሕቶታት ይሓቱኻ።
KMar ነዚ ኩሉ ሓበሬታ ካባኻ ድሕሪ ምእካቡ፣ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ትፍርመሉ። እዚ ድማ ቅጥዒ-M35H ይበሃል። ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ብወግዒ ኣመልኪትካ ኣለኻ ማለት እዩ።
ኣብ ዶብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ተመልክት ብምህላውካ ፍሉይ መስርሕ ዑቕባ ኢኻ እትኽተል
ሕጂ
ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ንበይንኻ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ናብ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱውን ኢኻ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ዘለዎ ስድራ-ቤት ሒዝካ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ መጺእካ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ዝካየድ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱውን ኢኻ። ከምኡ እውን IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዶብ ንምክያድ ኣዚኻ ተቓላዓይ ኢኻ ኢሉ ዝሓስብ ምስ ዝኸውን ኣብ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱውን ኢኻ። እዚ ድማ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ምስ ዝህልወካ፣ ወይ ግዳይ (ጾታዊ) ዓመጽ እንተድኣ ኮይንካ/ኪ ከምኡ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ክግበረልካ እዩ፣ ናብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ድማ ክትውሰድ ኢኻ።
ኣብ መንጎ መስርሕ ዶብን ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባን ዘለዉ ፍልልያት እዚኦም እዮም
ኣብ መንጎ መስርሕ ዶብን ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባን ክልተ ዓበይቲ ፍልልያት ኣለዉ።
ኣብ እዋን መስርሕ ዶብ ኣብ ዕጹው መዕቆቢ ኢኻ እትጸንሕ። ኣብ KMar ድሕሪ ምምዝጋብካ ናብ ዕጹው መዕቆቢ ቦታ ክትከይድ ኢኻ። እዚ ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል እዩ ዝርከብ። እዚ ቦታ
ይበሃል። ክሳብ እቲ መስርሕ ዶብ ዝወስዶ ግዜ ድማ ኣብዚ ዕጹው መዕቆቢ ክትጸንሕ ኢኻ። ካብ JCS ባዕልኻ ክትወጽእ ኣይፍቀደልካን እዩ። እቲ ኣብ JCS ዝርከብ መዕቆቢ ዕጹው ዝኾነሉ ምኽንያት ናብ ኔዘርላንድ ንኽትኣቱው ገና ፍቓድ ስለ ዘይተዋህበካ እዩ።Justitieel Complex Schiphol (JCS)መስርሕ ዶብ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ዝወሓደ ግዜ እዩ ይወስድ።
ኣብ መስርሕ ዶብ፣ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ፣ ምስ IND ቀዳማይ ቃለ-መሕትት ክሳብ እትገብር ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ። ስለዚ መስርሕ ዶብ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝሓጸረ ግዜ እዩ ዝወስድ። IND ኣብ መስርሕ ዶብ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ውሳኔ ክህብ እንተዘይክኢሉ ግን ገና ናብ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ክትግዕዝ ኢኻ። ስለዚ ድሕሪኡ ብምቕጻል ናትካ ሕቶ ዑቕባ እውን ኣብቲ ዝነውሐ ናይ ምውሳን ገደብ-ግዜ ተፈጻምነት ዘለዎ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ክምስራሕ እዩ።