ዜና 27 ለካ 2025 መመልከቲ ግብሪኻ እተቕርበሉ ግዜ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ መመልከቲ ኣታዊ ግብሪ ከተቕርብ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ገንዘብ ከምዝረኸብካ ወይ ከምዝተቐበልካ ንበዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ።
ንጥፈት 14 ጥሪ 2025 ኣብ እዋን ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ ሓድሽ ስራሕ ድለይ ኣብ ረቡዕ 29 ጥሪ 2025 ዝካየድ ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ፣ ስራሕ ንምርካብ ዕድላት ክህብ እዩ። እቲ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ 'Johan Cruijff Arena' እዩ ዝካየድ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝደልያ ትካላት ድማ ናብኡ ክመጽኣ እየን። ኣብቲ ዕዳጋ-ዕዮ ንምስታፍ ምዝገባ ግዴታ እዩ።
ተመኩሮታት 9 ጥሪ 2025 ፍቕራዊ ቆጸራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ "ብስምዒታዊ ርሕቐት ተጸጊመ" ፍቕራዊ ዝምድናታት ምህናጽ ንሓደስቲ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሰባት ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍልስጤማዊ ዳና ሞትላክ (31) ከምኡ እውን ሶርያዊ ራሚ ድራክዞኒ (26) ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝጸንሕሉ ቀዳሞት ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናታት ዝነበሮም ተመኩሮ የካፍሉ።
ተመኩሮታት 24 ታሕ 2024 ሕርሲ ኣብ ኔዘርላንድ፡ 5 ደቂ-ኣንስትዮ ብዛዕባ ሚዛን ኣብ መንጎ ባህሊን ሓድሽ ልምድታትን ካብቲ ዝዓበኻሉ ባህሊ ርሒቕካ ኣብ ኔዘርላንድ ምሕራስ ከመይ ይመስል? ሓናን፣ ለቲሽያ፣ ኮዮንጋን ኣሹራን ተመኩሮአን ንጋዜጠኛ ኤስተር ሙዎምቢ የካፍላ። ኤስተር ንባዕላ እውን እዚ ግድል ኣጋጢምዋ እዩ፡ "ከምቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝነበረ ማሕበራዊ ቕርበት ብዘለዎ ክሓርስ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ነቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ጽቡቕ ክንክን ኣብ ጥቕሚ ከውዕሎ ደልየ"።
ዜና 18 ታሕ 2024 ኔዘርላንድ ንግዚኡ ካብ ሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ኣይክትውስንን እያ ድሕሪ ውድቀት ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል ኣሳድ፣ ኔዘርላንድ ካብ ሶርያውያን ብዛዕባ ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ውሳኔ ኣይክትህብን እያ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ወይ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 16 ታሕ 2024 ርችት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ካብ 31 ታሕሳስ ናብ 1 ጥሪ ኣብ ዘውግሕ ምሸት ኔዘርላንዳውያን ንዋዜማ ሓድሽ ዓመት ብርችት የብዕሉ። ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ድማ ናይ ርችት ምርኢት ኣሎ። ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ባዕሎም እውን ርችት ይትኲሱ እዮም። እዚ ኣበይን መዓስን ከምዝፍቀድ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ኣብ እዋን ዋዜማን ሓድሽ ዓመትን እንታይ ከተቕልበሉ ከምዘለካ እውን ኣንብብ።