ተመኩሮታት 9 ጥሪ 2025 ፍቕራዊ ቆጸራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ "ብስምዒታዊ ርሕቐት ተጸጊመ" ፍቕራዊ ዝምድናታት ምህናጽ ንሓደስቲ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሰባት ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍልስጤማዊ ዳና ሞትላክ (31) ከምኡ እውን ሶርያዊ ራሚ ድራክዞኒ (26) ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝጸንሕሉ ቀዳሞት ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናታት ዝነበሮም ተመኩሮ የካፍሉ።
ተመኩሮታት 24 ታሕ 2024 ሕርሲ ኣብ ኔዘርላንድ፡ 5 ደቂ-ኣንስትዮ ብዛዕባ ሚዛን ኣብ መንጎ ባህሊን ሓድሽ ልምድታትን ካብቲ ዝዓበኻሉ ባህሊ ርሒቕካ ኣብ ኔዘርላንድ ምሕራስ ከመይ ይመስል? ሓናን፣ ለቲሽያ፣ ኮዮንጋን ኣሹራን ተመኩሮአን ንጋዜጠኛ ኤስተር ሙዎምቢ የካፍላ። ኤስተር ንባዕላ እውን እዚ ግድል ኣጋጢምዋ እዩ፡ "ከምቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝነበረ ማሕበራዊ ቕርበት ብዘለዎ ክሓርስ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ነቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ጽቡቕ ክንክን ኣብ ጥቕሚ ከውዕሎ ደልየ"።
ዜና 18 ታሕ 2024 ኔዘርላንድ ንግዚኡ ካብ ሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ኣይክትውስንን እያ ድሕሪ ውድቀት ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል ኣሳድ፣ ኔዘርላንድ ካብ ሶርያውያን ብዛዕባ ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ውሳኔ ኣይክትህብን እያ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ወይ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 16 ታሕ 2024 ርችት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ካብ 31 ታሕሳስ ናብ 1 ጥሪ ኣብ ዘውግሕ ምሸት ኔዘርላንዳውያን ንዋዜማ ሓድሽ ዓመት ብርችት የብዕሉ። ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ድማ ናይ ርችት ምርኢት ኣሎ። ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ባዕሎም እውን ርችት ይትኲሱ እዮም። እዚ ኣበይን መዓስን ከምዝፍቀድ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ኣብ እዋን ዋዜማን ሓድሽ ዓመትን እንታይ ከተቕልበሉ ከምዘለካ እውን ኣንብብ።
ዜና 16 ታሕ 2024 በዓል ልደትን ዋዜማ ሓድሽ ዓመትን ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝጽምበል ታሕሳስ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ በዓል ወርሒ እያ። በዓላት ልደትን ዋዜማን ሓድሽ ዓመትን ድማ ይበዓሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝበዝሑ ሰባት ነዞም በዓላት ምስ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን እዮም ዘብዕልዎም። በዓል ልደትን ዋዜማን ሓድሽ ዓመትን ብኸመይ ከም ዝኽበሩን፣ ብዛዕባ እዞም በዓላት እንታይ ከም እተስተብህልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 13 ታሕ 2024 የመናውያን ፍትሓዊ መስርሕ ዑቕባ ክረኽቡ መሰል ዘለዎም ክነሶም ካብ ኔዘርላንድ ይወጽኡ ኣብዚ ዘመልከትዎ ዑቕባ ንኽዕወት ዕድል የብሉን ኢሎም ብሰንኪ ምሕሳቦም ካብ ኔዘርላንድ ዝወጽኡ የመናውያን እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሮም ዝወሓደ መሰል ዘለዎም ኮይኑ ድማ ይስምዖም። እዚ ጠቕላላ ሓቂ ኣይኮነን። ካብ የመን እንተድኣ መጺእካ፣ ሕጂ እውን ፍትሓዊ መስርሕ ዑቕባን ሕጋዊ ሓገዝን ክትረክብ መሰል ኣለካ።