ዓንቀጽ

መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን IND ውሳኔ ይህብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 19/3/2025 10:36 ቅ.ቀ.

ኣብ እዋን (ዝተናውሐ) መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን IND ይውስን። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ እትረክብ እንታይ ከም ዝኸውን፣ ወይ ድማ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ

እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚሩ ን5 ዓመት ዘገልግል እዩ። 

ድሕሪ 5 ዓመት ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣይትረክብን ወይ ብቕጽበት ኣይወሃበካን

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ 'ዝተሓስበ-ውሳኔ' ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ ምኽንያታት ናይቲ ምንጻግን፣ እዚ ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ። ነዚ ካብ IND ዝመጸ ደብዳቤ ድማ ምስ ጠበቓኻ ትመያየጠሉ። ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ፣ ጠበቓኻ ነዚ ናይ IND ደብዳቤ መልሲ ንኽህበሉ ናይ 1 መዓልቲ ግዜ ኣለዎ። ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ድማ ጠበቓኻ ነዚ ንምግባር ናይ 4 ሳምንታት ግዜ ኣለዎ። እዚ ናይ ጠበቓኻ ደብዳቤ 'ርእይቶ' ይበሃል።

IND ብመሰረት እቲ ርእይቶ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ድሕሪኡ IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስድ እዩ። እዚ ድማ 'beschikking' ማለት ውሳኔ ይበሃል። IND ሕጂ እውን ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር IND ድሕሪ እቲ ርእይቶ ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ እውን ይኽእል እዩ።

ዑቕባኻ ምስ ዝንጸግ ዘለዉኻ ኣማራጺታት እዚኦም እዮም

IND፣ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ መሰል የብልካን ኣብ ዝብል ርእይቶኡ ክጸንዕ ይኽእል። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝነጸጎን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ከምዘለካን ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND (ብመንገዲ ጠበቓኻ) ክትቕበል ኢኻ። ኣብኡ IND ንምንታይ ከምዚ ከም ዝወሰነን፣ እዚ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን እውን ተገሊጹ ይርከብ። ምስቲ ምንጻግ ዘይትሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እውን። ብተወሳኺ ናብ መበቆል ሃገርካ ንምምላስ ኣየኖት ተኽእሎታት ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ደብዳቤ ተገሊጹ ይርከብ። 

  1. ኣንጻር IND ይግባይ ምባል ምስ ጠበቓኻ ብምምይያጥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፣ ምስ ናይ IND ውሳኔ ዘይትሰማማዕ ምኻንካ ብወግዒ ናብ ዳኛ ትጠርዕ ማለት እዩ። ድሕሪ ጥርዓንካ እቲ ዳኛ IND ንዝመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ ንሕጊ ኔዘርላንድ ብግቡእ ዝተኸተለ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንውሳኔ ናይ ዳኛ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ድማ ይፍቀደልካ እዩ።

    ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል

    ብኸመይ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ከም እትብል ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  2. ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺግዎ፣ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።

    ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓገዝ ኣብ እዋን ምምላስ

    ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  3. ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራብ ድሕሪ ምንጻግ ከም ብሓድሽ ዑቕባ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝከኣል ግን ሓደስቲ ሓቅታትን ኩነታትን ምስ እተቕርብ ጥራይ እዩ። ንኣብነት ኣብ መበቆል ሃገርካ ገለ ነገር ስለዝተቐየረ። ወይ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ። ካብ ጠበቓኻ ወይ ኣብ

    VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
    ካብ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ምኽሪ ሕተት።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር