ምንጪ፡ www.pexels.com; Brianna Swank
ዓንቀጽ

LHBTI ምስ እትኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:29 ቅ.ቀ.

ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃጊ ክልቲኡ ጾታ፣ ስግረ-ጾታ ወይ ሞንጎ-ጾታ ስለ ዝኾንካ ዲኻ ሃዲምካ/ኪ? ስለዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ብዛዕባ እዚ ንጠበቓኻን ንኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትነግሮም ኣገዳሲ እዩ።

LHBTI ምስ እንተኸውን፣ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንኽትረክብ ምኽንያት እዩ

ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር ኣብ ሓደጋ እትርከብ ምስ እትኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ግብረ-ሰዶማዊት፣ ግብረ-ሰዶመኛ፣ በሃጊ ክልቲኡ ጾታ ወይ ስግረ-ጾታ ብሰንኪ ምዃንካ ኣብ ሓደጋ ምስ እትህሉው እውን ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሃገርካ ካብ ዘሎ መንግስቲ ድማ ዝኾነ ይኹን ሓለዋ ዘይትረክብ ምስ እትኸውን። ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ መንግስቲ ንባዕሉ ሓደጋ ከይበጽሓካ ትፈርሕ ምስ እትኸውን።

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ድማ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ። ብድሕሪኡ IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ A ወይ B ክትቕበል ምኻንካን ዘይምዃንካን ወይ ኣየናይ ከም እትቕበል እውን ይውስን።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ LHBTI ምዃንካ ንገር

LHBTI እንተኾንካ ወይ LHBTI እንተዘይኮንካ መስርሕ ዑቕባ ሓደ ዓይነት እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ምስ ሰራሕተኛ ናይ

IND
2 ቃለ-መሕትት ክትገብር ኢኻ። ኣብቲ 1ይ ቃለ-መሕትት ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብሕጽር ዝበለ ትገልጽ። ኣብቲ 2ይ ቃለ-መሕትት ድማ ሰራሕተኛ ናይ IND ብዛዕባ ምኽንያት መህደሚኻ ተወሳኺ ሕቶታት ክሓተካ እዩ።

LHBTI ምስ እትኸውን ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ እዞም ዝስዕቡ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ፡

  • ኣብቲ 1ይ ቃለ-መሕትት LHBTI ምዃንካ ብቐጥታ ንገር።

  • ኣብቲ 2ይ ቃለ-መሕትት፣ ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ግለጽ። ነዚ ድማ ብግቡእ ግለጽ። IND ብሓቂ LHBTI ምዃንካን ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓደጋ ከምዘለኻን ርግጸኛ ክኸውን ይደልይ እዩ። እዚ ትብል ዘለኻ ዑቕባ ክትረክብ ስለ ዝደለኻ ከምዘይኮንካ እውን።

ኣብ መጀመርታ ናይቲ መስርሕ LHBTI ምዃንካ ክትነግር ኣይትደፍርን ዲኻ? ገና ድሒርካ ኣብቲ መስርሕ ከምኡ ክትገብር ድማ ትደልይ ዲኻ? ወይ ቅድሚ ሕጂ ዘቕረብካዮ ሕቶ ድሕሪ ምንጻጉ ዲኻ ካልእ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ተቕርብ ዘለኻ? ስለዚ ስለምንታይ ኣቐዲምካ ከምዘይነገርካ ብግቡእ ከም እትገልጽ ኣረጋግጽ።

ኣብ Ter Apel ምምዝጋብ

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምምልካት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነዚ ንምግባር ኣብ ገጠር ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ናብ IND ተመልክት፣ ፖሊስ ኔዘርላንድ ድማ ንመመልከቲኻ ይምዝግቦ።

LHBTI ስለ ዝኾንካ ዑቕባ ክወሃበካ ምዃኑን ዘይምዃኑን IND ይምርምር

IND፣ ንስኻ LHBTI ምዃንካን ኣብ ሓደጋ ምህላውካን ሕቶታት ብምሕታት ይምርምር። LHBTI ምዃንካ ንምፍላጥ IND ሕክምናዊ መርመራታት ኣይገብርን እዩ። ኣእምሮኣዊ መርመራ እውን ኣይግበረልካን እዩ። ጾታዊ ተግባራት ብዝምልከት ክትነግር ወይ ከተርእይ ድማ ኣየድልየካን እዩ። IND ስእሊታት ወይ ቪድዮታት እውን ኣይሓትትን እዩ። IND ሕቶታት ጥራይ እዩ ክሓትት ዝፍቀደሉ። IND ነዞም ኣብዚ ዝተጠቕሱ ካልኦት ነገራት ክገብር ኣይፍቀደሉን እዩ።

ቀደም IND መብዛሕትኡ ግዜ ንታሪኻት ናይ LHBTI ሰባት ኣይኣምኖምን እዩ ነይሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ካብ መጠን ንላዕሊ ሓቅነት ኣብ ዘይብሉ ጠቐነታት የድህቡ ነይሮም። ብድሕሪኡ

COC
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንዝሓቱ LHBTI ሰባት ክሕለቐሎም ጀሚሩ። ንሳቶም IND ሕቶታት ንዝሓተሉ ኣገባብ ይነቕፉ ነይሮም። IND ኣብቶም ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝካየዱ ቃለ-መሕትታት፣ ንስኻ LHBTI ከም ምዃንካ መጠን ናብታ ዝመጻእካላ ሃገር ንኽትምለስ ምስ እትግደድ እንታይ ከየጋጥመካ ከም እትፈርሕ ንኽሓትት ድማ መኺሩ።

LHBTI ምስ እትኸውን IND ነዞም ሕቶታት ክሓተካ እዩ

IND ዝሓተካ ሕቶታት ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወትካ ክኸውን እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ስድራ-ቤትካ፣ ኣዕሩኽትኻ፣  መሓዙትካን ዝምድናታትካን። እቲ ሰራሕተኛ ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝምድና ዘለካ ወይ ቀደም ዝነበረካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብዝምልከት ይሓተካ። እቲ ሰራሕተኛ፣ ንስኻ LHBTI ምዃንካ ዝፈለጥካሉ ዝተወሰነ ግዜ ምንባሩን ዘይምንባሩን እውን ይሓትት። ካብ ዓቃባዊ ወይ ብጥብቂ ሃይማኖታዊ ካብ ዝኾነ ስድራ-ቤት ዲኻ? ስለዚ ንኣብነት ግብረ-ሰዶማውነትካ ምፍላጥ ንዓኻን ንስድራኻን ከመይ ከም ዝነበረ ክትነግሮም ይሓቱኻ። 

ኣብ ሃገርካ LHBTI ምዃን ብዝምልከት እውን ሕቶታት ክትሕተት ኢኻ። ንኣብነት ኣብ መበቆል ሃገርካ LHBTI ሰባት ዝራኸብሉ ጉጅለታት ወይ ቦታታት ዘለዉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን። ከምኡ እውን ኣብ ሃገርካ ብዛዕባ LHBTI ዘለዉ ሕግታት፣ ንኣብነት ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን። ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር ብዛዕባ ዘጋጥመካ ኣድልዎ፣ ወጽዓን ሓደጋን ብዝምልከት እውን ሕቶታት ክትሕተት ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዘጋጠመካን፣ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ እንተድኣ ተገዲድካ እንታይ ከም ዘፍርሓካን። ኣብ መበቆል ሃገርካ LHBTI ምዃን (ንዓኻ) ከመይ ከም ዝመስል ዝያዳ ብዝነገርካ መጠን ድማ ዝሓሸ እዩ።

LHBTI ምዃንካ ንኸተርእይ እዚ ክትገብር ትኽእል

ምስ IND ቃለ-መሕትት ኣብ እትገብረሉ እዋን ንዝቐርቡ ሕቶታት ክትምልስ እንከለኻ፣ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ክትገልጽን ዝርዝር ሓበሬታ ክትህብን ኣገዳሲ እዩ። መልስታትካ ብዝምልከት ቅንዕና ይሃልኻ፣ ነቲ መልሲ ዘይትፈጦ ወይ ዝረሳዕካዮ ምስ እትኸውን ድማ ንገር። ዝኾነ ሕቶ እንተድኣ ዘይተረድኣካ ድማ ከምኡ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ሓቂ ትዛረብ ከም ዘለኻ ዘርእዩ ሰነዳት እውን ኣክብ። ንኣብነት፡ ስእልታት ናይ በዓል ወይ ውራይ፣ ወይ ትኬት ብዙሓት LHBTI ሰባት ናይ ዝሳተፍዎ ፈስቲቫል ኣብ ግምት ከተእቱው ትኽእል። ወይ ድማ ናይ ዝተወሰኑ ካፈታት ቅብሊት ወይ ፎቶታት ናይ ዋትስኣፕ ዕላላት። LHBTI ብሰንኪ ምዃንካ ኣብ መበቆል ሃገርካ ጸገም ከም ዘጋጠመካ ዘርእዩ ሰነዳት እውን ኣገደስቲ እዮም። ንኣብነት ኣብ ሃገርካ ናይ ዘለዉ LHBTI ሰባት ኩነታት ዝገልጽ ዜና። ወይ ድማ ሰባት LHBTI ብሰንኪ ምዃኖም ከም ዝቕጽዑ ዝጠቕስ ናይ ቤት-ፍርዲ መልእኽቲ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ

ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ሰነዳት ናብ IND ከተረክብ ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከም እተረክቦም ድማ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር