ሓደ ሰብኣይ ኣብ መዘኻኸሪ ደብተሩ ይጽሕፍ።
ምንጪ፡ Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባኻ ብግቡእ ንምድላው እዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/11/2024 9:22 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባኻ ቅድሚ ምጅማሩን፣ ምስ IND ናይ መጀመርታ ቃለ-መሕትት ቅድሚ ምግባርካን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ንኹሉ ክፋላት ናይ ህድማ ታሪኽካ፣ ድሒርካ ከምዚ ናይ ሕጂ ጽቡቕ ገይርካ ዘይትዝክሮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዊሕ ​​ግዜ ክትጽበይ ዘለካ ምስ እትኸውን፣ ብኸመይ ነቲ መስርሕ ብዝበለጸ ክትዳሎ ከም እትኽእል ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ውልቃዊ ታሪኽካ ኣገዳስነቱ ቀጻሊ እናወሰኸ ይኸይድ

ካብ 1 ሓምለ 2024 ጀሚሩ፣ IND ንውልቃዊ ናይ ህድማ ታሪኽካ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዝያዳ ኣገዳሲ ገይሩ እዩ ዝቖጽሮ። ኣብ ሃገርካ ካብ ዝርከብ ኩነታት ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ። IND ንመስርሕ ዑቕባኻ ክግምግም እንከሎ ብቐንዱ ንውልቃዊ ታሪኽካ ዝኣምኖ ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ ዝርእይ። ስለዚ ድማ ንውልቃዊ ታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ክህልወካ ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ። ቅድሚ 1 ሓምለ 2024 ንሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርካ ወይ ጉጅለኻ ዝያዳ ቆላሕታ ይወሃቦ ነይሩ። IND ሕጂ እውን ነዚ ይርእዮ እዩ። እንተኾነ ግን ውልቃዊ ኩነትካ ካብኡ ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ውልቃዊ ታሪኽካ ብዝተኻእለ መጠን ብዝርዝር ንIND ክትነግሮ ምኽኣል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ናይ ህድማ ታሪኽካ ብዝርዝር ጸሓፍ

ምስ IND ኣብ እትገብሮ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻ ትገልጽ ኢኻ። ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ ስለምንታይ ሓደገኛ ምዃኑ እውን። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትካ ክሳብ ትገብር ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ስለዚ ሽዑኡ ነገራት ክትርስዕ ወይ ብዝርዝር ብዙሕ ዘይትዝክሮም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኸይትርስዕ ንምርግጋጽ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ክትገብር ትኽእል፡

1. ናይ ህድማ ታሪኽካ ብዝርዝር ብቅኑዕ ቅደም ተኸተል ግዜ ጸሓፎ

ንኹሎም ካብ ሃገርካ ክትወጽእ ዘገደዱኻ ሓፈሻዊን ውልቃዊን ፍጻመታት ጸሓፎም። ዕለታት፣ ቦታታት፣ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ዝተሳተፉ ሰባት ወይ ኣካላት ኣስማትን፣ ካልኦት ኣገደስቲ ዝርዝራትን ጸሓፍ።

2. ኣገደስቲ ዝርዝራት ምእንቲ ከይትርስዕ ንታሪኽካ ተመሊስካ ኣዘውቲርካ ኣንብብ

ሓደ ሓደ ግዜ፣ ምስ ምንዋሕ ግዜ ነቲ ልክዕ ቅደም ተኸተል ናይ ፍጻመታት ትርስዖ ኢኻ። ወይ ንዓኻ ሒደት ኣገዳስነት ዘለዎም፣ ግን ድማ ንIND ኣገደስቲ ዝኾኑ ዝርዝራት ክትርስዕ ትኽእል። ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸሪ ምስ IND ናብ እትገብሮም ቃለ-መሕትታት ሒዝካዮ ክትከይድ ስለዘይፍቀደልካ፣ ነዚ ብጥንቃቐ ክትዝክሮ ፈትን። ስለዚ ታሪኽካ ብግቡእ ክትነግርን፣ ብኣእምሮኻ ክትዝክሮን ክትክእል ኣለካ።

3. ናይ ህድማ ታሪኽካ ዝድርዕ መርትዖ ኣክብ

ንታሪኽካ ዝድግፉ ናይ ነፍስወከፍ እትገልጾ ፍጻመ ሰነዳት ኣክብ። እዚኦም ስእልታት፣ ጸብጻባት ሕክምና፣ ወግዓዊ ሰነዳት፣ ዓንቀጻት ጋዜጣታት፣ ወይ ድማ ነቲ ታሪኽ ዘረጋግጹ ናይ መሰኻኽር መግለጺታት ክኾኑ ይኽእሉ። ኦርጅናል ሰነዳት ክህልወካ እውን ኣገዳሲ እዩ። IND ነዚኦም ክኣምኖም ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

IND እዞም ሰነዳት ዘለዉኻ ክነሱ ንታሪኽካ ዘይኣምኖ ክኸውን ገና ከጋጥም ይኽእል እዩ። ወይ ድማ እቶም ሰነዳት እኹል መርትዖ ዘይኮኑ ክኾኑ ይኽእሉ። ሰነዳት ዘለካ ምዃኑ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ብኣውቶማቲክ ይጸድቕ ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ንዛንታኻ ዘረጋግጹ ሰነዳት ምስ ዝህልወካ፣ IND ኣቀዲሙ ንኽኣምኖም ተኽእሎኡ ዝለዓለ እዩ። ብፍላይ ኦርጅናል ሰነዳት እንተኾይኖም። ስለዚ ኩሉ ግዜ ንታሪኽካ ዘረጋግጹ ሰነዳት ክትረክብ ፈትን።

ናይ ህድማ ታሪኽካ ብኸመይ ብዝርዝር ከም እትጽሕፎ ዘብርህ ኣብነት

ኣብነት ክትእክቦ እትኽእል ናይ ህድማ ታሪኽካ ዝድርዕ መርትዖ

ናይ ህድማ ታሪኽካ ንምድራዕ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ  

ካብ ጠበቓታት ወይ ካብ VluchtelingenWerk Nederland ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ምኽሪ ክህቡኻ ወይ ድማ ታሪኽካ ንምድራዕን ንምሕያልን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ሽዕኡ VluchtelingenWerk Nederland ምሳኻ ብሓባር ብምዃን

'ናይ ህድማ ታሪኽ ትንተና'
ክገብር እዩ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ መሰላት ኣለዉኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እንተድኣ ሓቲትካ መሰላት ኣለዉኻ። ዝኾነ ካብዞም መሰላት ዝተጣሕሰ ኣሎ ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንጠበቓኻ፣ ወይ ኣብ ቦታኻ ንዝርከብ VluchtelingenWerk ሓብር። እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፈልጦም ዘለካ ዝያዳ ኣገደስቲ እዮም፡

መሰል ሕጋዊ ሓገዝ

መሰል ኣተርጓሚ

መሰል ሓበሬታ

መሰል ብሕትና

መሰል ርትዓዊ ኣተሓሕዛ

ናይ ይግባይ መሰል


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር