ትምህርቲ
ሓበሬታ

ገና ዘይተዋሃሃድካን ናብ ትምህርቲ ዘይትኸይድን እንተኾንካ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር
ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትወሃሃድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ብስልጠና ኣቢልካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር ድሮ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ኣገባባት ክግበር ከም ዝከኣል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ትምህርቲ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ንዘይክእሉን መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎምን ቆልዑት
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ገና የብልካን ድዩ፣ ከምኡ እውን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረቡ ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ውላድካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምእንቲ ክመሃርን ትምህርቲ ኔዘርላንድ ንኽከታተልን ሓገዝ የቕርባ እየን።

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ
ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድ ምስ እትኸውን፣ ንስኻ ባዕልኻ ወይ ውላድካ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክትረኽቡ ከም እትደልዩ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ
ካብ 4 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ 8 ጉጅለታት ኣለዎ። ቆልዑት ካብ 5 ዓመት ዕድሚኦም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም፣ መብዛሕትኦም ቆልዑት ኔዘርላንድ ግን ካብ 4 ዓመት ዕድሚኦም እዮም ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ብዝምልከት ኩሉ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ
ድሕሪ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ቆልዑት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታትን ዓመታትን ዝሓቖፈ እዩ። ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። ኣብዚ ገጽ ኩሉ ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ላዕለዋይ ትምህርቲ ምክትታል
ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እትከታተሎ ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዲፕሎማኻ እዩ ዝምርኮስ። ኣብዚ ዓንቀጽ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትጅምር ምስ እትኸውን ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
መንበሪ ፍቓድ ገና የብልካን ዲኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ብመሰረት ዘለዉ ሕግታት ኣብዚ ክትመሃር ይፍቀደልካ እዩ። ብተግባር እዚ ከቢድ እዩ። ንኣብነት ዝተወሰኑ (ናይ ቋንቋ) ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ብዛዕባኡ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ንመምሃሪኻ ምኽፋል
ገና መንበሪ ፍቓድ የብልካን ዲኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን ብመሰረት ሕጊ ኣብዚ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንትምህርትኻ ግን ባዕልኻ ክትከፍሎ ክትክእል ኣለካ፣ ካብ መንግስቲ ድማ ዝኾነ ገንዘብ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ብ W-document ልምምድ ስራሕ ምግባር
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ኣለኻ ዲኻ፣ ግን ድማ ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ የብልካን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ንትምህርትኻ ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።