ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኔዘርላንድ
ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብኸምዚ ኢኻ ሕጋዊ ደገፍ ትረክብ
ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል። ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ድሕነት ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ሓደጋ ዲኻ ዘለኻ፣ ቅጽበታዊ ሓገዝ ድማ የድልየካ ድዩ? ናብ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት 112 ደውል። ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣይትዛረብን ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 112NL ኣፕ ብቋንቋኻ ርክብ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። ቅጽበታዊ ሓደጋ የልቦን ድዩ፣ ግን ድማ ውሕስነት ኣይስምዓካን ድዩ? ስለዚ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ብኸምዚ ኣብ ኔዘርላንድ ተኣማኒ ዜና ክትረክብ ትኽእል
ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ፕረስ ናጽነት ስለዘሎን፣ ፕረስ ኣካል ዲሞክራሲ ኔዘርላንድ ስለዝኾነን ተኣማኒ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜናታት እውን ኣሎ። ናይ ኔዘርላንድ ፕረስ ማዕረ ክንደይ ተኣማኒ ምዃኑ ብዝምልከት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ብኸመይ ባዕልኻ ተኣማኒ ዜና ከም እትረክብ እውን።

ገና ዘይተዋሃሃድካን ናብ ትምህርቲ ዘይትኸይድን እንተኾንካ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር
ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትወሃሃድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ብስልጠና ኣቢልካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር ድሮ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ኣገባባት ክግበር ከም ዝከኣል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ከም LHBTQIA+ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር
ካብ 90ታት ጀሚሩ ኣብ ኔዘርላንድ ንጾታዊ ዝንባለ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኮይኑ ግን ኣድልዎን ኣሉታዊ ኣመለኻኽታን ክሳብ ሕጂ የጋጥም እዩ። ኣብዚ ገጽ ኣብ ኔዘርላንድ ከም LHBTQIA+ ሰብ ምንባር ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ንጥፈታት ንማሕበረሰብ LHBTQIA+
ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ "Gay Pride"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ክትረክብ ኢኻ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።