ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኔዘርላንድ

ብዛዕባ ናብራ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዚ ኣንብብ። ንኣብነት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣንብብ።

ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ሕጋዊ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል ወይ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ሓገዝ የድልየካ ይኸውን፣ ግን ድማ ኣብ ስራሕ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ እውን ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል።
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብኸምዚ ኢኻ ሕጋዊ ደገፍ ትረክብ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል። ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ድሕነት ኣብ ኔዘርላንድ

ኣብ ሓደጋ ዲኻ ዘለኻ፣ ቅጽበታዊ ሓገዝ ድማ የድልየካ ድዩ? ናብ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት 112 ደውል። ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣይትዛረብን ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 112NL ኣፕ ብቋንቋኻ ርክብ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። ቅጽበታዊ ሓደጋ የልቦን ድዩ፣ ግን ድማ ውሕስነት ኣይስምዓካን ድዩ? ስለዚ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ጸብጻብ የቕርብ።
ዓንቀጽ

ብኸምዚ ኣብ ኔዘርላንድ ተኣማኒ ዜና ክትረክብ ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ፕረስ ናጽነት ስለዘሎን፣ ፕረስ ኣካል ዲሞክራሲ ኔዘርላንድ ስለዝኾነን ተኣማኒ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜናታት እውን ኣሎ። ናይ ኔዘርላንድ ፕረስ ማዕረ ክንደይ ተኣማኒ ምዃኑ ብዝምልከት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ብኸመይ ባዕልኻ ተኣማኒ ዜና ከም እትረክብ እውን።

ሓደ መንእሰይ ተማሃራይ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ብድሕሪ ላፕቶፑ ኮፍ ኢሉ ቋንቋ ኔዘርላንድ ይመሃር።
ዓንቀጽ

ገና ዘይተዋሃሃድካን ናብ ትምህርቲ ዘይትኸይድን እንተኾንካ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር

ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትወሃሃድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ብስልጠና ኣቢልካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ኣይትኽእልን። ይኹን እምበር ድሮ ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ኣገባባት ክግበር ከም ዝከኣል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሮዛ ዝሕብሩ ክዳን ዝተኸድኑ ጉጅለ ሰባት ብካናል ኣምስተርዳም ይጅልቡ። ኣብ ደንደስ ጻዕቂ ሰባት ኣሎ፣ ብሓጎስ ድማ ይጭድሩ ኣለዉ።
ዓንቀጽ

ንጥፈታት ንማሕበረሰብ LHBTQIA+

ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ "Gay Pride"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ክትረክብ ኢኻ።

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር