ስደተኛታት ኣብ ኔዘርላንዳዊት ገጠር ተር ኣፐል ንምምዝጋብ ኣብ መስርዕ ደው ኢሎም
ምንጪ፡ Inge van Mill
ዜና

ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባ ክሳብ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 15/7/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ 2024 ንነፍስወከፍ ሕቶ ዑቕባ ብዝምልከት ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትን 2ይ ቃለ-መሕትትን ንምግባር ነዊሕ ግዜ ክትጽበይ ኣለካ። ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዘለዉ ናይ ምጽባይ ግዜታት ኣብዚ ኣንብብ።

1ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር 3 ዝተፈላለዩ መስርሓትን ናይ ምጽባይ ግዜታትን ኣለዉ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ንምርካብ ድሕሪ ምምልካትካ፣ ምስ

IND
1ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ዕድመ ይመጸካ። መዓስ ነዚ ቃለ-መሕትት ምስ IND ከም እትገብር ድማ ኣብቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ዕለት እዩ ዝምርኮስ። ኣብቲ ንዓኻ ዝምልከት መስርሕ እውን። ናይ ነፍስወከፍ መስርሕ ማእከላይ ናይ ምጽባይ ግዜታት ኣብዚ ታሕቲ ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

መስርሕ ዱብሊን

IND ኣቀዲምካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ ነይርካ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ከምኡ ምስ ዝኸውን

መስርሕ ዱብሊን
እዩ ንዓኻ ዝምልከተካ። ብዛዕባ እዚ ምስ IND ዝርርብ ንምግባር ዘሎ ናይ ምጽባይ ግዜ 10 ሳምንታት እዩ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዱብሊን እዩ ዘመስርሖ

ብዛዕባ መስርሕ-ዱብሊን ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ዝቐልጠፈ መስርሕ

IND ካብ ውሕስቲ ሃገር ስለ ዝመጻእካ፣ ወይ ድሮ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ፍቓድ ስለ ዝረኸብካ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ መሰል የብልካን ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝቐልጠፈ መስርሕ እዩ ንዓኻ ዝምልከተካ። ብዛዕባ እዚ ምስ IND ዝርርብ ንምግባር ዘሎ ናይ ምጽባይ ግዜ 15 ሳምንታት እዩ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብዝቐልጠፈ መስርሕ እዩ ዘመስርሖ

IND ካብ ውሑስ መበቆል ሃገር ዝመጻእካ ኢኻ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ስለዚ እቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ንዓኻ ይምልከት እዩ። ውሑስ መበቆል ሃገር እንታይ ማለት ምዃኑን፣ እቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ እንታይ ከም ዘጠቓልልን ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ

"ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ" ድዩ ንዓኻ ዝምልከተካ? እቲ ንቡር መስርሕ ዑቕባ ንሱ እዩ።  ስለዚ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር እንተወሓደ 19 ሳምንታት ክትጽበይ ኣለካ። እዚ 1ይ ቃለ-መሕትት "ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት" ይበሃል።

ን2ይ ቃለ-መሕትት ዘለዉ ናይ ምጽባይ ግዜታት ዝነውሑ እዮም

ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትት ድሕሪ ምግባርካ 2ይ ቃለ-መሕትት እውን ክህልወካ እዩ። እዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ንምንታይ ከም ዝሃደምካን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓተሉ ዘለኻን ምኽንያት ዝምልከት እዩ። ነዚ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር እውን ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ 1ይ ቃለ-መሕትትካ ድሕሪ ምግባርካ፣ ን2ይ ቃለ-መሕትት ብማእከላይ ገምጋም 43 ሳምንታት ክትጽበይ ኣለካ።

ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ IND ንነዊሕ ግዜ ከም እትጽበይ ክገብረካ ይኽእል እዩ

ብዕለት 19 ታሕሳስ 2023 መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ IND ኣብ 2024 ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንምውሳን ዝያዳ ግዜ ከም ዝህልዎ ኣፍሊጡ። ኣቀዲሙ IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን 6 ኣዋርሕ እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ግን IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽውስን ተወሰኽቲ 9 ኣዋርሕ ተዋሂብዎ ኣሎ።

IND ድሮ ን3 ተኸታተልቲ ዓመታት ካብ መንግስቲ ዝያዳ ግዜ ክረክብ ጸኒሑ እዩ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ 27 መስከረም 2022ን 1 ጥሪ 2025ን ንዝቐርቡ ኩሎም ናይ ዑቕባ ሕቶታት ዘሎ ናይ ውሳኔ ገደብ-ግዜ 15 ኣዋርሕ እዩ ማለት እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ግዜ IND ምሳኻ 1ይን 2ይን ቃለ-መሕትት ዘካየደ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ድማ ውሳኔ ይወስድ።

IND ውሳኔ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ምስ ዝድንጒይ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

1ይ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ተጸቢኻ ዲኻ? ስለዚ ሓደ ናይ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ሰራሕተኛ ምስ IND ርክብ ንኽገብር ሕተት። IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ብሓቂ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ድዩ ወሲዱ? ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

IND ውሳኔ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ምስ ዝድንጒይ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣብ እዋኑ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይገበረ፣ IND ሕጂ እውን ገና ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓት ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከምኡ ከም እትገብር ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር