ፍቕራዊ ቆጸራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ "ብስምዒታዊ ርሕቐት ተጸጊመ"
ፍቕራዊ ዝምድናታት ምህናጽ ንሓደስቲ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሰባት ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍልስጤማዊ ዳና ሞትላክ (31) ከምኡ እውን ሶርያዊ ራሚ ድራክዞኒ (26) ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝጸንሕሉ ቀዳሞት ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናታት ዝነበሮም ተመኩሮ የካፍሉ።
"ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእ ዳግማይ ምውላድ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ" ትብል ዳና። ኣብ 2019 ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝሃደመትሉ እዋን ንጹር መደብ ነይርዋ፡ ትምህርቲ፣ ስራሕን ምንባርን። ኣብቲ እዋን እቲ ንዝምድና ዝኸውን ቦታ ኣይነበረን። ሕጂ ንሳ ኣብ ኡትሬኽት እያ ትነብር፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ንስደተኛታት ዝድግፍ ትካል ልምምድ ስራሕ ትገብር ኣላ።
ራሚ (26) ኣብ ሓደ ድኳን ከም መራሒ ጒጅለ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፣ ኣብ ኡትሬኽት ድማ ICT ይመሃር። ንሱ እውን ኣብ 2017 ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ብዛዕባ ዝምድናታት ኣይሓሰበን። "ብዛዕባ ኤውሮጳ ምንዮታዊ ምስሊ እዩ ነይሩኒ። እቲ ክውንነት ግን ዝተፈለየ ኮይኑ ተረኺቡ። ምጽእ ምስ በልካ ብኡንብኡ ከተማልኦም ዘለካ ዝተፈላለዩ ግዴታታት ኣለዉኻ። ነቲ ድቡን ዝኾነ ኩነታት ኣየር ክትለማመዶን፣ ግብሪ ክትከፍልን ኣለካ።"
ዳና፣ ኣብ ኔዘርላንድ ብቐጥታ ቋንቋ ዓረብ ምስ ዝዛረቡ ሰባት ርክብ ገበረት። ኮይኑ ግን ዝተፈልየ ስምዒት ተሰምዓ። ልምዶም ብናይ ኤውሮጳ ብውልቃውነትን ርሕቐትን ተጸልዩ ጸኒሑ። "ንኻልኦት ንምሕጋዝ ድሉው ምዃን ኣብ ባህርየይ ሰሪጹ እዩ። ኣውቶቡስ ክትጽበይ እንተድኣ ጸኒሕካኒ፣ ኣብ ክንዲ ብቕጽበት ኢደይ ኣወዛዊዘ ቻው ኢለካ ብሽክለታይ ዝምርቀፍ፣ ቚሩብ ምሳኻ የዕልል። ኣነ ግን ኣብዚ ምሸት ደገ ከይደ ክምለስ እንከለኹ መብዛሕትኡ ግዜ ንበይነይ ደው ኢለ ኣውቶቡስ ይጽበይ ነይረ።"
ኣብ ናይ ዕርክነት ኣፕ ዝምድና ድለይ፣ ወይ ድማ ባዕልኻ ቀዳማይ ስጉምቲ ውሰድ
ዳና ትምህርታ ምስ ወድአት ንፍቕራዊ ዝምድና ድልውቲ ነበረት። 'Tinder' ዝበሃል ኣፕ ድማ ኣውረደት። "ኣብዚ ብኸምቲ ናይ ቀደም ኣገባብ ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ዘይትፈልጦ ብወዝቢ ምሳኻ ዝተጓነጸ መሲሉ ዝወደቐ ኣቚሑትካ ንምእራይ እናሓገዘካ ክላለየካ ዝደልይ ሰብ" ትዋዘይ ዳና።
ናይ ዕርክነት ኣፕ ንራሚ ኣይሓገዞን። "ነቲ ኣፕ ብቕጽበት ደምሲሰዮ። ብኢንተርነት እትረኽቦም ሰባት እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ጎድኖም እዮም ዘርእዩኻ። እቲ ዝግበር ምግጣም መብዛሕትኡ ግዜ ዕምቆት ኣብ ዘይብሉ ነገራት ዝተመርኮሰ እዩ። ቁሩብ ናይ ሓሶት ኮይኑ ይስምዓካ። ኣብ ሓቀኛ ህይወት ምስ ሓደ ሰብ ምርኻብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ባዕልኻ 1ይ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለካ።" ኮይኑ ድማ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽአ ድሕሪ 1 ዓመት ምስ ሓንቲ መንእሰይ ኣብ እንዳ ሻሂ ተራኺቡ። ንሳ እውን ተገዲሳትሉ ምንባራ ኣስተብሃለ። ቀሪቡ ድማ ኣብ ኢንስታግራም ክስዕባ ዝኽእል እንተኾነ ሓተታ።
"ሰባት ብኢንተርነት ፍቕራዊ ዕርክነት እንተድኣ ጀሚሮም፣ ድሕሪ ምግጣም ከይተሃወኹ ግዜ ክወስዱ እመክር” ትብል ዳና። ኣብ ብሄር ዝተሰረተ ክቱር ኣተኲሮ ካብ ምግባር ክቚጠቡ ድማ ተጠንቅቕ። "ገሊኦም ሰብኡት፣ ኣንስቲ ዓረብ ተገዛእቲ እየን፣ ከምኡ እውን ናይ ገዛእ-ርእሰን ስብእና የብለንን ዝብል ዝተለምደ ግጉይ ኣረኣእያ ስለዘለዎም ኣንስቲ ዓረብ እዮም ዝደልዩ። ካብ ከዚኦም ዓይነት ሰብኡት ተጠንቀቓ።"
ኣብ መጀመርታ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረብ ሰብኣይ ክትረክብ እያ ተስፋ ገይራ ነይራ። ኮይኑ ግን ምስ ሓደ ኔዘርላንዳዊ ተጋጢማ። "ፕሮፋይሉ ምስ ናተይ ጽቡቕ ገይሩ ይሰማማዕ ነይሩ። ብቕጽበት ድማ ብዕምቖት ኣዕሊልና። ህዱእን ሕዉስን መሲሉ ተራእዩኒ፣ እዚ ድማ ሰሓቢ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣዝዩ ዓሚቕ ዝምድናታት ብዝምልከት ኸኣ ልምዲ ነይሩኒ እዩ።"
ካብ ዝድናኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር
ዳና ብቋንቋ እንግሊዝ ጽቡቕ ገይራ ክትረዳዳእ ትኽእል ምንባራ ጠቒምዋ እዩ፣ እዚ ማለት ግን ብሰንኪ እዚ ካብቲ ኔዘርላንዳዊ ዓርካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ናይ ምምሃር ተኽእሎኣ ትሑት ነይሩ ማለት እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ራሚ እንግሊዝኛ ጽቡቕ ኣይዛረብን ነይሩ፣ ሳላ ዓርኩ ግን ዝነበሮ ቋንቋ ኔዘርላንድ ቀልጢፋ ተመሓይሹ። "ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዘይትመሃሮ ብህዝቢ ዝዝውተር ቋንቋ ምሂራትኒ።" ይኹን እምበር ራሚ ነቲ ቋንቋ ገና ዘይመለኾ ብሰንኪ ምንባሩ፣ እቲ ርክብ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኮይኑ። "ብዛዕባ ዕለታዊ ነገራት ጥራይ ኢና ነዕልል ነይርና። ኣብቲ ዝምድና ዕምቆት ኣይረኸብናን። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ድማ ተፈላልና።"
"ምስ ወለዲ ዓርከይ ድሕሪ ምርኻበይ ምስ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ምትእስሳር ዘለኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ንሳቶም ብሓጎስ ተቐቢሎምኒ፣ ሕያዎት ድማ እዮም" ትብል ዳና። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ዓበይቲ ብድሆታት ነይሮም። "ካብ ሕብረተሰብ ይኹን ካብ ዓርከይ ብስምዒታዊ ርሕቐት ተጸጊመ። ኔዘርላንዳውያን ካብ ስምዒታዊ ንላዕሊ ግብራዊ እዮም። ነዚ ክውንነታዊ ምዃን ክብሪ ይህቦ እየ፣ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ እዋን ግን ካብ ቆፎኻ ወጺእካ ምስቲ ካልእ ሰብ ክትራኸብ ኣለካ።" እንተዘይኮይኑ ዋላ ዝከኣለካ እንተገበርካ ንበይንኻ ተገሊልካ ጓና ኮይንካ ኢኻ ትተርፍ።"
እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ምርድዳእ እዩ
ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ራሚ፣ ዝተፈላለየ ባህላዊ ድሕረ-ባይታ ምስ ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ ንፍቕሪ ክላለይ ክፍትን ጸኒሑ። "ምስ መን ኣብ ፍቕሪ ከም እትወድቕ ኣቐዲምካ ክትውስን ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ባህሊ ናይቲ ካልእ ሰብ ንዓይ ኣገዳስነት የብሉን።" ትጽቢታትካ ክውንነታዊ ክትገብሮ ከም ዘለካን፣ ተበግሶ ካብ ምውሳድ ክትፈርሕ ከም ዘይብልካን ድማ የጉልሕ። "ብዙሓት ሰባት ንኸይነጽጉ ይፈርሑ እዮም። እቲ ዝኸፍአ ክትሰምዖ እትኽእል ነገር "ኣይፋል" ዝብል መልሲ እዩ። እዚ ድማ መወዳእታ ዓለም ኣይኮነን።"
"ኣብ መንጎ ክልተ ካብ ዝተፈላለዩ ባህሊታት ዝመጽኡ ሰባት ዝህሉው ፍቕራዊ ዝምድና ኣዝዩ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ" ትብል ዳና። "እንተኾነ ግን ክልቲኦም ወገናት ነዚ ወፍሪ ክገብርሉ ኣለዎም። ብምርድዳእ ማእከላይ መንገዲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብዝዓበየ ማሕበራዊ ደረጃ እውን ይምልከት እዩ። ኔዘርላንዳውያን እውን ካብ ካልኦት ባህልታት ኣዝዩ ብዙሕ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። 'ብዘይ 2 ሰባት ታንጎ ክትስዕስዕ ኣይከኣልን እዩ'።"
እዚ ዛንታ ብጁዲ ካራዮሊ ናይ RFG Media ምስ RefugeeHelp ብምትሕብባር ዝተጻሕፈ እዩ።