ምንባር
ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምስ እትሓትት ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት እዚኦም እዮም
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እንተድኣ ኣመልኪትካ መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ኩነትካን፣ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንዝወሃብ ውሳኔ ክሳብ ክንደይ ግዜ ክትጽበይ ዘለካ ኣብ ምዃንካን ዝምርኮሱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕካ ናብ ካልእ መዕቆቢ ቦታ ክትግዕዝ ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መዕቆቢ ቦታታት ዝያዳ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መንግስቲ ኣብ ዘዳልወልካ መዕቆቢ ስደተኛታት ምንባር ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መዕቆቢ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዝያዊ መዕቆቢ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ጸዲቑ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ ገዛ ንምርካብ ብቚዕ ትኸውን።

ኣብ መስርሕ ዑቕባ እናሃለኻ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምቕናይ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ኣዝዩ ሒደት ቦታ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ንግዚኡ ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ንኽትቕንይ ምኻድ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ምንባር ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ትቕመጥ ኣለኻ፣ ምኽንያቱ ድማ እቲ ንቡር መቐበሊ ስለ ዝመልአ እዩ። ኣብዚ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሕ ከም ዘለካ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ብዙሓት መቐበሊ ቦታታት ንኽትግዕዝ ክትግደድ ኢኻ።

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዮም
ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኢኻ ትነብር። ነፍስወከፍ መዕቆቢ ቦታን መሳለጥያታቱን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ መዕቆቢ መሰላት፣ ግዴታታትን ሕግታት ገዛን ኣለዉኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ መዕቆቢ ናይ COA እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል
ብዛዕባ እቲ ትሓድረሉ ዘለኻ መዕቆቢ ኣይዓገብካን ዲኻ? ስለዚ ምስ COA ወይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል ኢኻ።

LHBTI ምስ እትኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መዕቆቢ ስደተኛታት
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣድልዎ፣ ምፍርራሕ ወይ ዓመጽ ከጋጥመካ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብኻልኦት ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ቦታ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ። እዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ባህሪ ብሕጊ ዘቕጽዕ ድማ እዩ። ከምኡ እውን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መዕቆቢ ስደተኛታት
ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ብዘይ ስድራኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ስለዚ ንዓኻ ዝኸውን ፍሉይ መዕቆቢ ኣሎ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየናይ ፍሉይ መዕቆቢ ከም ዝዳለወልካ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ 'ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)' ዝበሃል ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ከም እትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።
ኩሉ ብዛዕባ DigiD
DigiD እንታይ ምዃኑ፣ DigiD ብኸመይ ከም እተመልክትን ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን፣ Steffie ኣብዚ ትገልጽ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።