ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

(ናበይቲ) ወለድኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 8 EVRM ዝበሃል ሕጊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል (Schiphol)
ምንጪ፡ Selma van der Bijl
ዓንቀጽ

ቅድመ-ኩነታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 2:20 ድ.ቀ.

(ናበይቲ) ወለድኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ ወይ በጽሒታት ደቅኻ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 8 EVRM ዝበሃል ሕጊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዝምልከቱ ዝተወሰኑ ሕግታት ኣለዉ። ብዛዕባ እዞም ሕግታት ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤትካ

ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ናይ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት (8 EVRM) ንዝተወሰኑ ኣባላት ስድራ-ቤት፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ዓንቀጽ 8 EVRM ናይ ብሕታዊን ስድራ-ቤታዊን ህይወት መሰል ከምዘለካ ዝገልጽ እዩ። ነዚ ዓይነት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር እንተወሓደ ነዞም 2 ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  1. ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ።

  2. ዘለኩም ስድራ-ቤታዊ ምትእስሳር ድሮ ቅድሚ ናብ ኔዘርላንድ ምህዳምካ ዝነበረ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ እዚ ማለት ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሓባር ትነብሩ ነይርኩም ማለት እዩ።

እዚኦም ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዕድል ክትረኽበሎም እትኽእል ኩነታት እዮም
  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት እዩ፣ ከምኡ እውን ምስ ንኣሽቱ ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ዳግም ክትጥርነፍ ትደልይ ኢኻ።

  • ወላዲ ኢኻ፣ ከምኡ እውን ምስ በጽሒታት ደቅኻ ዳግም ክትጥርነፍ ትደልይ ኢኻ። ኣባኻ ጽግዕተኛታት ምዃኖም ብመርትዖ ከተርእይ እትኽእል ኢኻ።

  • ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት እዩ፣ ከምኡ እውን ምስ ወለድኻ ዳግም ክትጥርነፍ ትደልይ ኢኻ። ኣባኻ ጽግዕተኛታት ምዃኖም ብመርትዖ ከተርእይ እትኽእል ኢኻ።

ንኻልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት ብዝተፈለየ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ይከኣል እዩ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ፣ ነዞም ዝስዕቡ ብዝተፈለየ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡

  • በዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ ወይ መጻምድትኻ/ኺ። ልዕሊ 1 በዓል/ቲ-ቤት ድዩ ዘለካ/ኪ? ስለዚ ን1 በዓል/ቲ-ቤት ጥራይ ኢኹም ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክቱ እትኽእሉ።

  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣካል ናይታ ስድራ-ቤት ዝነበሩ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ባህርያዊ ደቅኻ፣ ተናበይቲ ቆልዑት፣ ወይ ዝተራዕሙ ቆልዑት። እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተድኣ ተሪፉ፣ እቲ ወላዲ ውላድኩም ናብ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?