ኣገልግሎታት
ኣብዚ ገጽ እዚ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ብምሃብ ክድግፉኻ ናይ ዝኽእሉ ውድባት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ክትረክብ ኢኻ። VluchtelingenWerk ከም ኣካል ናይ RefugeeHelp ሓያሎ ኣገልግሎታት ይህብ እዩ። ብተወሳኺ RefugeeHelp ምስ ዝተፈላለዩ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ መሻርኽቲ ውድባት እውን ይሰርሕ እዩ። ምስቲ ብዝበለጸ ክሕግዘካ ዝኽእል ውድብ ተራኸብ።

ሓገዝ ኣብ እዋን ኣብ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት
ናይ VWN ወለንተኛታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸተመልክት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ሕጋዊ መስርሕ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ከም ዝኽእሉን፣ ኣየኖት ሰነዳት ክትእክብ ከም ዘለካን ብዝምልከት ድማ መብርሂ ትረክብ። ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፣ ወይ ነዚ ኣገልግሎት ክትጥቀም ምስ እትደልይ፣ ኣብ VWN ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ርክብ ግበር።
NL | EN | RU | UK | TR | FA | FR | TI | SO | PR | AR
ናይ መሻርኽትና ኣገልግሎታት

ነጻ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋ
ብነጻ ኣቚሑት ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ኣብቲ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋ Goods for Refugees ንስደተኛታት ከም ክዳውንቲ፣ ኣቚሑት ገዛን ኤለክትሪካዊ መሳርሒታትን ዝኣመሰሉ ካልኣይ ኢድ ኣቚሑት ብነጻ ይቐርብ እዩ።
NL | EN | RU | UK | FR | TR | AR | SO | TI | FA

ሰደቓ-ሓገዝ ተሳትፎ ኣብ ኔዘርላንድ
ናይ 'Welcome App' ሰደቓ-ሓገዝ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ክትሳተፍ ከም እትኽእል ብዝምልከት ንዘለካ ሕቶታት ይምልሰልካ። 'Welcome App' ንሕቶታትካ ብቐጥታ ይምልሰልካ፣ ወይ ድማ ዝያዳ ከበድቲ ሕቶታት ብዝምልከት ካልኦት ውድባት ንኽትውከስ የመሓላልፈካ።
NL | EN | AR | UK | RU | TI | TR

ኣባል ስድራ-ቤትካ ንምርካብ ሓገዝ
ሓደ ኣባል ስድራ-ቤትካ ደሃይ ኣጥፊኡ ድዩ? ናይ ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዝኾነ 'Restoring Family Links' ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራ-ቤት ንምድላይን ዳግም ርክብ ንምምላስን ይሕግዝ እዩ።
NL | EN | AR | FR | FA | RU | UK | SO | TI | TR | PR
070 44 55 822

ሰደቓ-ሓገዝ ህይወት ኣብ ኔዘርላንድ
Open Embassy ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ቋንቋ፣ ክንክን ጥዕናን ኣብ ኔዘርላንድ ምንባርን ዝምልከቱ ሕቶታት ይሕግዘካ። እቲ ሰደቓ-ሓገዝ ብዛዕባ ሓድሽ ህይወትካ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለካ ሕቶ መልሲ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል።
NL | EN | AR | PR | SO | FR
+31 6 42962696 (WhatsApp)
info@openembassy.nl

ሰደቓ-ሓገዝ መሰላት ሕጻናት
'ሰደቓ-ሓገዝ መሰላት ሕጻናት ስደት' ንሕጻናትን (ናበይቲ) ወለድን ብዛዕባ መሰላት ሕጻናትን ስደትን ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ይህብ። ናይቲ ሰደቓ-ሓገዝ ሰብ-ሞያ ሕጊ ንዘለካ ሕቶታት ይምልሱልካ፣ ወይ መሰላት ሕጻናት ተጋሂሱ ክኸውን ኣብ ዝኽእለሉ እዋን ይሕግዙኻ።
NL | EN
071 516 09 80
helpdesk@defenceforchildren.nl

ሓገዝን ምኽርን ኣብ እዋን ትምህርቲን ስራሕን
UAF ኣብ mbo፣ hbo፣ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ናይ ትምህርቲ ምኽሪ፣ ምርሒትን ፋይናንሳዊ ደገፍን ይህብ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ክትጥቀም ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እንተወሓደ ን11 ዓመት ትምህርቲ ዝተኸታተልካን፣ ቋንቋ እንግሊዝ ወይ ኔዘርላንድ ብደረጃ B1 እትዛረብን ክትከውን ኣለካ።
NL | EN
030 252 08 35
info@uaf.nl

መስመር-ሓገዝ ኣብ እዋን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት
'MIND Hulplijn' ኣብ እዋን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ብነጻ ደገፍ ይህብ። ብዛዕባ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ወይ ናይ መቕርብካ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝምልከቱ ሕቶታት ሒዝካ ናብዚ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ወሃብቲ ሓገዝ ናይ MIND ድማ ምኽሪ ይህቡኻን፣ ቅኑዕ ክንክን ንኽትረክብ ይሕግዙኻን።
NL
+316 138 638 03
0900 1450
hulplijn@wijzijnmind.nl

ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምንባር
'Takecarebnb' ንሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ሓደ ኔዘርላንዳዊ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት የተኣሳስረካ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ናይ ባዕልኻ ገዛ እናተጸበኻ ምስ ቋንቋ፣ ባህልን ልምዲታትን ኔዘርላንድ ብቐረባ ክትላለይ ትኽእል። ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ 'Takecarebnb' ከም ጋሻ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
NL | EN | TR | AR
info@takecarebnb.org

ማዕከን-መግቢ
ማዕከን-መግቢ ንዝኾነ ንግዚኡ ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ዘይብሉ ሰብ ይሕግዝ። ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ተማልእ ኮይንካ ብነጻ ኣስቤዛ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ ናብ ዝርከብ ማዕከን መግቢ ብምድዋል ተመዝገብ።
NL
088 543 4535
welkom@voedselbankennederland.nl

መስመር-ሓገዝ ዋትስኣፕ
ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ሕክምናዊ ሓገዝ፣ መጽለሊ፣ ውሕስነት፣ መግቢ ወይ ካልእ ደገፍ ሕቶታት ኣለካ ድዩ፣ ወይ ምኽሪ የድልየካ ድዩ? ወለንተኛታት ቀይሕ መስቀል ኣብ ከባቢኻ ደገፍን ኣገልግሎትን ንምርካብ ክሕግዙኻ እዮም። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፣ ካብ ሰዓት 10፡00 ክሳብ 18፡00 ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።
NL | EN | RU | AR | FR | UK | TR
+31 97 010 286 964