ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

(ናበይቲ) ወለድኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 8 EVRM ዝበሃል ሕጊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል (Schiphol)
ምንጪ፡ Selma van der Bijl
ዓንቀጽ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ነዚ ተዋድድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:27 ቅ.ቀ.

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘቕረብካዮ መመልከቲ ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ብምውሳድ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ እውን ንኣባል ስድራ-ቤትካ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከተዋድደሉ ኣለካ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ይወስድ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ዝርከበላ ሃገር ካብ ዘሎ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ክወስድ ይኽእል እዩ። እዚ ቪዛ

ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ (MVV)
ዝሓዘ እዩ፣ ከምኡ እውን
ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ዝሕተት እዩ። ኣብታ ሃገር ኤምባሲ ኔዘርላንድ የለን ድዩ? ስለዚ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ከምኡ ክገብር ኣለዎ።

ኣብቲ ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽኡ ከም ዝፍቀደሎም ዝገልጽ ናይ IND ደብዳቤ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ነቲ MVV ብኸመይ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዝገልጽ መምርሒታት እውን ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ደብዳቤ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ክጎዓዝ ከም ዝኽእልን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን ዝገልጽ መምርሒታት እውን ዝሓዘ እዩ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ከም ዝፍቀደሉ IND ድሕሪ ምሕባሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ነቲ MVV ቪዛ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ክወስዶ ኣለዎ። እዚ ገደብ-ግዜ ሳሕቲ ናብ 6 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ኤምባሲ ንኽትበጽሖ ኣጸጋሚ ምስ ዝኸውን ወይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ካልእ ሃገር ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ክጎዓዝ ዘለዎ እንተድኣ ኮይኑ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብረሉ ቦታ ተዋድደሉ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ክነብረሉ ዝኽእል ገዛ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተወ ብቐጥታ ናባኻ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝዓበየ ገዛ ትረክብ።

ድሕሪ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምግዓዝ
ኣብዚ ገጽ ብምኽንያት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትግዕዝ ምስ እትኸውን እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ገና ኣብ ናይ COA መዕቆቢ ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ወይ ንኣብነት ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝኾነ መንበሪ-ቤትካ ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዝበቕዕ ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ መዕቆቢ ንምርካብ ናብ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ኣመልክት። ኣብ
VluchtelingenWerk (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ነዚ ክገብረልካ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ስጉምትታት ብምኽታል ነዚ ባዕልኻ ትገብሮ፡

  1. መዕቆቢ ንምርካብ ንኸተመልክት ኣብ ዘቬናር ናብ ዝርከብ COA ኢ-መይል ስደድ። እቲ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ FMMZZevenaarDuiven@coa.nl እዩ።

  2. ነዚ ዝስዕብ ብዛዕባኻ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢ-መይልካ ኣካቲትካ ለኣኻ፡ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፣ ቁጽሪ ተሌፎንካ፣ ኣድራሻ ኢ-መይልካን፣ ኣድራሻ ኢ-መይል ናይ VWN ኣማኻሪኻን።

  3. ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ናይ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኢ-መይልካ ኣካቲትካ ለኣኻ፡ ቀዳማይን መወዳእታን ኣስማት ናይ ኩሎም ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣

    V-ቁጽሪ
    ናይ ኩሎም ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣

  4. ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዝመጽእሉ ዕለትን፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ካብ ኣየናይ ዕለት ጀሚሩ መዕቆቢ ዘድልዮም ምዃኑን ለኣኻ።

ኣብ ውሽጢ 2 ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ COA ብኢ-መይል መረጋገጺ ክትቕበል ኢኻ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ምሳኻ ኣብ ገዛኻ ዝነብር እንተድኣ ኮይኑ፣ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ትሕዝ

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ መንበሪ ፍቓድ ክወስድ ኣለዎ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ነዚ ኣብ ዘቬናር ኣብ ዝርከብ ናይ IND ጨንፈር እዩ ዝገብሮ። ነዚ ብዝምልከት ኣቐዲምካ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዘሉ ትኽእል ኢኻ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ መዓስ ናብ ኔዘርላንድ ከም ዝኣቱው ምስ ፈለጥካ ብቐጥታ ቆጸራ ግበር። ከም ዓይኒ ሓቂ እቲ ምስ IND ዝግበር ቆጸራ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት እዩ ክካየድ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ IND ጻዕቂ ስራሕ ስለዘሎ ከምዚ ቀልጢፍካ ቆጸራ ክትሕዝ ዳርጋ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቆጸራ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ጥራይ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ቅድሚ ምምጽኦም ቆጸራ ክትሕዝ ኣገዳሲ እዩ።

ምስ IND ቆጸራ ግበር
ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ ኣብዚ ቆጸራ ግበር። እዚ ቆጸራ ኣብ ዘቬናር (Zevenaar) ምስ ዝርከብ ናይ IND ሰደቓ ኢኻ ትገብሮ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ መዕቆቢ እንተድኣ ኮይኑ ክነብር፣ COA ምስ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ

ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን መዕቆቢ ንምርካብ ናብ COA ኢ-መይል ሰዲድካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ COA ኣብ ዘቬናር ምስ ዝርከብ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ክትሕዝ ኣየድልየካን እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?