ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ስኺፖል (Schiphol)።
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Selma van der Bijl
ዓንቀጽ
ንንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታት
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:28 ቅ.ቀ.

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ምስ እትደልይ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ዝምልከቱ ዝተወሰኑ ሕግታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እቶም ሕግታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መንጎ "ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን" "ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን" ዘሎ ፍልልይ እዚ እዩ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ፣ ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ብመንገዲ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ንኸተምጽእ ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ኣለካ።

ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘየመልከትካ፣ ብመንገዲ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብርክት ዝበሉ ሃስያታት ኣለዎ፡

  • ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብነጻ እዩ። ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ግን ገንዘብ ይሓትት። 

  • ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እትገብረሉ እዋን፣ ካብቲ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዘድልዩ ዝወሓዱ ጽኑዓት ጠላባት ከተማልእ ትግደድ። ንኣብነት ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዝተወሰኑ ናይ ኣታዊ ጠለባት ከተማልእ ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣድላዪ ኣይኮነን።

ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ እንተድኣ፡
  1. ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን፣ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻን።

  2. ናይ

    ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
    ናይ ኣታዊ ጠለባት ተማልእ ምስ እትኸውን።

ነዞም ኣባላት ስድራ-ቤት ብመንገዲ ንቡር መስርሕ ምጥርናፍ-ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡
  • በዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ ወይ መጻምድቲ ልዕሊ 1 በዓልቲ-ቤት ድዩ ዘለካ? ስለዚ ን 1 በዓልቲ-ቤት ጥራይ ኢኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እትኽእል።

  • ባህርያዊ ደቅኻን፣ ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣካል ናይታ ስድራ-ቤት ዝነበሩ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ተናበይቲ ቆልዑት ወይ ዝተራዕሙ ቆልዑት። እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተድኣ ተሪፉ፣ ውላድኩም ናብ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ።

ንገሊኦም ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት ብመንገዲ ዝተፈልየ መስርሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ

ንኻልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት፣ ልዕሊ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ወይ ንወለድኻ፣ ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ንዝኣመሰሉ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እዚ ብመንገዲ ንቡር መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን እዚ ብመንገዲ "ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዑቕባ 8EVRM" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተፈለየ መስርሕ ይከኣል እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?