ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

(ናበይቲ) ወለድኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 8 EVRM ዝበሃል ሕጊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መወዳእታኡ ድሕሪ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዳግማይ ይራኸቡ።
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Selma van der Bijl
ዓንቀጽ

ወጻኢታት መመልከቲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 4/10/2024 4:12 ቅ.ቀ.

ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ምቕራብ ገንዘብ ይሓትት እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

መመልከቲ እዚ ወጻኢታት ይሓትት

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት 8 EVRM ንምምልካት ክንድዚ ገንዘብ ሓትት፡ ቀዳማይ መመልከቲ = € 228,- ቀዳማይ መመልከቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ = € 76,- መመልከቲኻ እንተድኣ ተነጺጉ እዚ መጠን ገንዘብ ኣይምለሰልካን እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ መመልከቲኻ ቅድሚ ናብ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ምልኣኽካ ምሉእ ምዃኑ ብጥንቃቐ ኣረጋግጽ።

ኣብ እተመልክተሉ እዋን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል

ኣብ እተመልክተሉ እዋን ሓገዝ ናይ ጠበቓ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንሱ ሕጋዊ ደገፍ ክህበካ ይኽእል እዩ።

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
እውን መመልከቲኻ ኣብ ምቕራብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ወጻኢታት ክትከፍል ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ፣ VWN ሓደ ሓደ ግዜ ብመንገዲ ማዕከን ስደተኛታት ኣብ ምኽፋል እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብ VWN ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት። 


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?