ዜና 16 ሚያ 2025 መዓልቲ ንጉስ ኣብ ቀዳም 26 ሚያዝያ፡ ጽንብል ብኣራንሾኒ ኔዘርላንድ ዓመታዊ ዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ኣብ ሚያዝያ 27 ተብዕል። እዚ ሃገራዊ በዓል፣ መዓልቲ ንጉስ ይበሃል። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዓመት እዚ ሚያዝያ 27 ሰንበት ስለዝኾነ፣ ነቲ በዓል ሓደ መዓልቲ ኣቐዲምና ከነብዕሎ ኢና። ስለዚ እቲ በዓል ቀዳም 26 ሚያዝያ እዩ። ካብ 1980 ጀሚሩ እቲ በዓል ብፍጹም ኣብ ዕለተ ሰንበት ተኸቢሩ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ድማ በታ ሽዕኡ ዝነበረት ንግስቲ ዩልያና እዩ ተወሲኑ። ኣብዚ ታሕቲ ኔዘርላንድ ንመዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም እተብዕሎ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 28 መጋ 2025 ናይ ክረምቲ ግዜ ኣብ 30 መጋቢት 2025 ይጅምር ኣብ ቀዳም 29 መጋቢት ናብ ሰንበት 30 መጋቢት ዘውግሕ ለይቲ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግዜ 1 ሰዓት ንቕድሚት ክዘልል እዩ። ነዚ ናይ ክረምቲ ግዜ ኢልና ንጽውዖ። እዚ ዝኸውን ሰዓት 2 ናይ ለይቲ እዩ። እዚ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።
ዜና 3 መጋ 2025 ኣብ ኔዘርላንድ ገዛ ንምርካብ ምጽባይ ክሳብ ክንድዚ ይወስድ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ገዛ ንምርካብ ድማ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ምምሕዳር ከተማ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዝረክብ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊ 1 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ። እዚ ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 27 ለካ 2025 መመልከቲ ግብሪኻ እተቕርበሉ ግዜ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ መመልከቲ ኣታዊ ግብሪ ከተቕርብ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ገንዘብ ከምዝረኸብካ ወይ ከምዝተቐበልካ ንበዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ።
ንጥፈት 14 ጥሪ 2025 ኣብ እዋን ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ ሓድሽ ስራሕ ድለይ ኣብ ረቡዕ 29 ጥሪ 2025 ዝካየድ ነጻ ዕዳጋ-ዕዮ፣ ስራሕ ንምርካብ ዕድላት ክህብ እዩ። እቲ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ 'Johan Cruijff Arena' እዩ ዝካየድ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝደልያ ትካላት ድማ ናብኡ ክመጽኣ እየን። ኣብቲ ዕዳጋ-ዕዮ ንምስታፍ ምዝገባ ግዴታ እዩ።
ተመኩሮታት 9 ጥሪ 2025 ፍቕራዊ ቆጸራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ "ብስምዒታዊ ርሕቐት ተጸጊመ" ፍቕራዊ ዝምድናታት ምህናጽ ንሓደስቲ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሰባት ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍልስጤማዊ ዳና ሞትላክ (31) ከምኡ እውን ሶርያዊ ራሚ ድራክዞኒ (26) ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝጸንሕሉ ቀዳሞት ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናታት ዝነበሮም ተመኩሮ የካፍሉ።