መዓልቲ ንጉስ ኣብ ቀዳም 26 ሚያዝያ፡ ጽንብል ብኣራንሾኒ
ኔዘርላንድ ዓመታዊ ዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ኣብ ሚያዝያ 27 ተብዕል። እዚ ሃገራዊ በዓል፣ መዓልቲ ንጉስ ይበሃል። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዓመት እዚ ሚያዝያ 27 ሰንበት ስለዝኾነ፣ ነቲ በዓል ሓደ መዓልቲ ኣቐዲምና ከነብዕሎ ኢና። ስለዚ እቲ በዓል ቀዳም 26 ሚያዝያ እዩ። ካብ 1980 ጀሚሩ እቲ በዓል ብፍጹም ኣብ ዕለተ ሰንበት ተኸቢሩ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ድማ በታ ሽዕኡ ዝነበረት ንግስቲ ዩልያና እዩ ተወሲኑ። ኣብዚ ታሕቲ ኔዘርላንድ ንመዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም እተብዕሎ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።