ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

(ናበይቲ) ወለድኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ 8 EVRM ዝበሃል ሕጊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሰብ ኣብ ንጽል ወረቐት ክታሙ የንብር
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland
ዓንቀጽ

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝኸውን ሰነዳት ምእካብን ምትርጓምን

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:34 ቅ.ቀ.

ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ከተመልክት እንከለኻ፣ ሓያሎ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ዘሎ ዝምድና ስድራ-ቤትን ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝኸውን ውልቃዊ ሰነዳት ምርካብ

IND
ምስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ውልቃዊ ሰነዳት ንኸተረክብ ይሓትት እዩ። እዞም ዝስዕቡ ናትካን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካን ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ኣለካ፡

  • ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ፓስፖርት ስእሊ እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ ካልእ ንጹር ስእሊ ናይ ገጹ/ጻ ከተረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ቅዳሕ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መረጋገጺ መንነት። እዚ ፓስፖርት እንተኾይኑ ይምረጽ። ናይቲ መረጋገጺ መንነት፣ ብዛዕባ መንነትን ዘገልግለሉ ግዜን ሓበሬታታት ዝሓዙ ገጻት ጸዓኖም ማለት ኣፕሎድ ግበሮም። ነቶም ናይ መገሻ ማሕተማት ዘለዎም ገጻት እውን ኣረክቦም።

  • ጠቕላላ ዝተመልአ 'ክታምካ ኣፕሎድ'

    '።

  • ጠቕላላ ዝተመልአን ዝተፈረመን

    'መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን'
    ። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዝሕብር መግለጺ እዩ። መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን ዘድልይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዕድሚኡ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

  • ጠቕላላ ዝተመልአን ዝተፈረመን 'መግለጺ ኩነት ሓዳር'። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብዛዕባ ኩነት ሓዳሩን፣ ከምኡ እውን ንነዊሕ እዋን ቀዋሚ ዝምድና ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሕብረሉ መግለጺ እዩ። እዚ መግለጺ ዘድልይ ኣባል ስድራ-ቤትካ 15 ዓመትን ልዕሊኡን እንተኾይኑ እዩ።

ዝምድና ስድራ-ቤት ዘርእዩ ሰነዳት ምርካብ

ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከም ዘለካ እውን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ ብኸምዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ክግበር ይከኣል፡

  • ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት

  • ናይ ልደት ምስክር ወረቐት

  • ክብረ-መዝገብ ናይ ስድራ-ቤት

ኣብቲ ናይ IND መመልከቲ ቅጥዒ ኣየኖት ሰነዳት ብልክዕ ከም ዘድልዩኻ ተገሊጹ ክትረኽቦ ኢኻ። እዚ ቅጥዒ 'Aanvraag voor een 

Machtiging tot voorlopig verblijf
- nareizigers asiel' ይበሃል። ነዚ ቅጥዒ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

'Aanvraag voor een Machtiging tot voorlopig verblijf - nareizigers asiel'
ብኢንተርነት 'Aanvraag voor een Machtiging tot voorlopig verblijf - nareizigers asiel' ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ኣቕርብ።
ነቶም ሰነዳት ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ኣተርጉሞም

ኩሎም ሰነዳት ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዝተጻሕፉ ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ሰነዳት ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ ድዮም? ስለዚ እዞም ሰነዳት

ቃለ-ማሕላ ብዝፈጸመ ተርጓሚ
ክትርጎሙ ኣለዎም።

እቶም ካብኣቶም ክትመርጽ እትኽእል ተርጎምቲ ድማ ኣብ 'Register beëdigde tolken en vertalers' (Rbtv) ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

'Register beëdigde tolken en vertalers'
ኣብ 'Register beëdigde tolken en vertalers' ንሰነዳትካ ክትርጉመልካ ዝኽእል ተርጓሚ ድለይ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?