ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ምስ እትደልይ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ዝምልከቱ ዝተወሰኑ ሕግታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እቶም ሕግታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ፣ ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ብመንገዲ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ንኸተምጽእ ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ኣለካ።
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘየመልከትካ፣ ብመንገዲ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብርክት ዝበሉ ሃስያታት ኣለዎ፡
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብነጻ እዩ። ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ግን ገንዘብ ይሓትት።
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እትገብረሉ እዋን፣ ካብቲ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዘድልዩ ዝወሓዱ ጽኑዓት ጠላባት ከተማልእ ትግደድ። ንኣብነት ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዝተወሰኑ ናይ ኣታዊ ጠለባት ከተማልእ ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣድላዪ ኣይኮነን።
ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን፣ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻን።
ናይ
ናይ ኣታዊ ጠለባት ተማልእ ምስ እትኸውን።ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
በዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ ወይ መጻምድቲ ልዕሊ 1 በዓልቲ-ቤት ድዩ ዘለካ? ስለዚ ን 1 በዓልቲ-ቤት ጥራይ ኢኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እትኽእል።
ባህርያዊ ደቅኻን፣ ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣካል ናይታ ስድራ-ቤት ዝነበሩ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ተናበይቲ ቆልዑት ወይ ዝተራዕሙ ቆልዑት። እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተድኣ ተሪፉ፣ ውላድኩም ናብ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ።
ንኻልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት፣ ልዕሊ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ወይ ንወለድኻ፣ ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ንዝኣመሰሉ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እዚ ብመንገዲ ንቡር መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን እዚ ብመንገዲ "ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዑቕባ 8EVRM" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተፈለየ መስርሕ ይከኣል እዩ።