ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ
ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ግዜኡ እንተወዲቚ፣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከም ስደተኛ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።
መርሓ ውጥን (1)
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምምልካት
5 steps
ኣብዚ መርሓ ውጥን፣ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምምልካት ኣየኖት ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣየኖት ሰነዳት ከም ዘድልዩኻን ብኸመይ መንበሪ ፍቓድ ከም እተመልክትን እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓበሬታ

ዓንቀጽ
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንታይ እዩ?
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ኣብ ኔዘርላንድ ንሓዋሩ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍቓድ ብወግዒ "ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ዓንቀጽ
IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ምውሳን እንተድኣ ደንጒዩ ከምዚ ክትገብር ትኽእል
IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ግዚኡ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። IND ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘይወሰነ፣ IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ "ምሃብ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ይበሃል።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።