
ኣብ ኔዘርላንድ ገዛ ንምርካብ ምጽባይ ክሳብ ክንድዚ ይወስድ
ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ገዛ ንምርካብ ድማ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ምምሕዳር ከተማ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዝረክብ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊ 1 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ። እዚ ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ንነፍስወከፍ ሰብ ዝኣኽሉ ኣባይቲ የለዉን
ኣብ 2023 ብድምር
ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰባት በዚ ተጸጊሞም ይርከቡ፣ ብፍላይ ግን ማሕበራዊ ኣባይቲ ዝጽበዩ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት። እዚኦም ከምዞም ዝስዕቡ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት ዝኣመሰሉ እዮም፡
ክፍሊ ወይ ኣፓርታማ ዝደልዩ ተማሃሮ
ዳርጋ ሕጂ ስራሕ ጀሚሮም ናይ ገዛእ-ርእሶም ገዛ ዝደልዩ ሰባት
ዝዓበየ ገዛ ዘድልዮም ሓደስቲ ስድራ-ቤታት
ብመጠነ-ንኡስ ክነብሩ ዝደልዩ ኣረጋውያን
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ተዋሂቡካ እውን በዚ ትጽገም ኢኻ። ምኽንያቱ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ተቐቢልካ ማሕበራዊ ኣባይቲ ናይ ምርካብ መሰል ስለዘለካ። ከም ዓይኒ ሓቂ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ውሽጢ 12 ሳምንታት እዩ ገዛ ከዳልወልካ ዘለዎ። እንተኾነ ግን እዚ ብሰንኪ ሕጽረት ኣባይቲ ዝከኣል ኣይኮነን።
ብመሰረት
ሓደ ምምሕዳር ከተማ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ክንደይ ገዛውቲ ከዳሉው ከም ዘለዎ ብኸምዚ እዩ ዝውሰን
ነፍስወከፍ ዓመት፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምስ
ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ድሮ ክንደይ ሰባት ዝነብሩ ምዃኖም። ዓበይቲ ምምሕዳር ከተማታት ካብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከተማታት ዝበዝሐ ገዛውቲ ክቐርቡ ኣለዎም።
ኣብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክንደይ ድሉዋት ገዛውቲ ምህላዎም።
80 ሚእታዊት ካብ ምምሕዳር ከተማታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ግዚኡ ኣባይቲ ኣየዳልዋን
ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ኣብ ግዚኡ ገዛ ከቕርባ ምስላጥ ካብ ዝኣብየን ድሮ ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። ኣብ 2023 ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ምምሕዳር ከተማታት ነቲ ዝብጻሕ ዕላማ ኣየኽበራን። ምምሕዳር ከተማታት ነቲ ዝብጻሕ ዕላማ ንነዊሕ እዋን ምስ ዘየኽብራ ድማ ብመንግስቲ ክቕጽዓ ይኽእላ እየን።
ገዛ ንምርካብ ንዘሎ ናይ ምጽባይ ግዜ ንምሕጻር ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን
ገዛ ክሳብ እትረክብ ክንደይ ግዜ ከምዝወስድ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ይፈላለይ እዩ። ምምሕዳር ከተማታት ከም ንቡር ኣብ ውሽጢ 12 ሳምንታት ገዛ ከዳልዋልካ ዘለወን እኳ ዝግባእ እንተነበረ፣ እዚ ግን ብሕጊ ዝተቐመጠ ኣይኮነን። ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ንምሕጻር ብሕጋዊ መዳይ ዝኾነ ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን።
ናይ ባዕልኻ ገዛ እናተጸበኻ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ
ከም ንቡር ኣሰራርሓ እቲ ምቕናይ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ። ድሕሪ እተን 3 ኣዋርሕ ገና ገዛ እንተድኣ ዘይረኸብካን፣ ንስኻን እቲ ዘአንግደካ ስድራ-ቤትን ነቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ከተናውሕዎ እንተድኣ ደሊኹምን ግን እቲ ናይ ምቕናይ ግዜ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።