ኣብ ኔዘርላንድ ዳርጋ ናብ ኩሉ ቦታ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ብባቡራት፣ ኣውቶቡሳት፣ ትራማትን ሜትሮታትን ኣቢልካ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ እትጎዓዘሉ እዋን ኩሉ ግዜ ብቚዕ ትኬት ከተርእይ ክትክእል ኣለካ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓደጋታት ንምውጋድ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተፈለላዩ ኩነታት ትራፊክ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ትከታተል፣ ከምኡ እውን ናይ ክልሰ-ሓሳብን ግብራውን ፈተናታት ትወስድ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ መኪና ክትገዝእ ትደልይ ዲኻ? ከምኡ ንምግባር ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እንታይ ከተቕልበሉ ከም ዘለካን፣ ኣየኖት ወጻኢታት ከምዘለዉን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።
ኣብዚ መብርሂ ጸሓፍ
ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።