መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ነዚ ተዋድድ
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘቕረብካዮ መመልከቲ ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ብምውሳድ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ እውን ንኣባል ስድራ-ቤትካ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከተዋድደሉ ኣለካ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ይወስድ
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ዝርከበላ ሃገር ካብ ዘሎ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ክወስድ ይኽእል እዩ። እዚ ቪዛ
ኣብቲ ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽኡ ከም ዝፍቀደሎም ዝገልጽ ናይ IND ደብዳቤ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ነቲ MVV ብኸመይ ክወስዶ ከም ዝኽእል ዝገልጽ መምርሒታት እውን ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ደብዳቤ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ክጎዓዝ ከም ዝኽእልን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎን ዝገልጽ መምርሒታት እውን ዝሓዘ እዩ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ከም ዝፍቀደሉ IND ድሕሪ ምሕባሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ነቲ MVV ቪዛ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ክወስዶ ኣለዎ። እዚ ገደብ-ግዜ ሳሕቲ ናብ 6 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ኤምባሲ ንኽትበጽሖ ኣጸጋሚ ምስ ዝኸውን ወይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ካልእ ሃገር ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ክጎዓዝ ዘለዎ እንተድኣ ኮይኑ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብረሉ ቦታ ተዋድደሉ
ኣባል ስድራ-ቤትካ ክነብረሉ ዝኽእል ገዛ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተወ ብቐጥታ ናባኻ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝዓበየ ገዛ ትረክብ።
ድሕሪ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምግዓዝ
ገና ኣብ ናይ COA መዕቆቢ ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ወይ ንኣብነት ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝኾነ መንበሪ-ቤትካ ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዝበቕዕ ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ መዕቆቢ ንምርካብ ናብ
መዕቆቢ ንምርካብ ንኸተመልክት ኣብ ዘቬናር ናብ ዝርከብ COA ኢ-መይል ስደድ። እቲ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ FMMZZevenaarDuiven@coa.nl እዩ።
ነዚ ዝስዕብ ብዛዕባኻ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢ-መይልካ ኣካቲትካ ለኣኻ፡ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፣ ቁጽሪ ተሌፎንካ፣ ኣድራሻ ኢ-መይልካን፣ ኣድራሻ ኢ-መይል ናይ VWN ኣማኻሪኻን።
ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ናይ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኢ-መይልካ ኣካቲትካ ለኣኻ፡ ቀዳማይን መወዳእታን ኣስማት ናይ ኩሎም ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣
ናይ ኩሎም ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣V-ቁጽሪከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዝመጽእሉ ዕለትን፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ካብ ኣየናይ ዕለት ጀሚሩ መዕቆቢ ዘድልዮም ምዃኑን ለኣኻ።
ኣብ ውሽጢ 2 ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ COA ብኢ-መይል መረጋገጺ ክትቕበል ኢኻ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ምሳኻ ኣብ ገዛኻ ዝነብር እንተድኣ ኮይኑ፣ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ትሕዝ
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ መንበሪ ፍቓድ ክወስድ ኣለዎ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ነዚ ኣብ ዘቬናር ኣብ ዝርከብ ናይ IND ጨንፈር እዩ ዝገብሮ። ነዚ ብዝምልከት ኣቐዲምካ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዘሉ ትኽእል ኢኻ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ መዓስ ናብ ኔዘርላንድ ከም ዝኣቱው ምስ ፈለጥካ ብቐጥታ ቆጸራ ግበር። ከም ዓይኒ ሓቂ እቲ ምስ IND ዝግበር ቆጸራ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት እዩ ክካየድ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ IND ጻዕቂ ስራሕ ስለዘሎ ከምዚ ቀልጢፍካ ቆጸራ ክትሕዝ ዳርጋ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቆጸራ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ጥራይ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ቅድሚ ምምጽኦም ቆጸራ ክትሕዝ ኣገዳሲ እዩ።
ምስ IND ቆጸራ ግበር
ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ መዕቆቢ እንተድኣ ኮይኑ ክነብር፣ COA ምስ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ
ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን መዕቆቢ ንምርካብ ናብ COA ኢ-መይል ሰዲድካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ COA ኣብ ዘቬናር ምስ ዝርከብ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ክትሕዝ ኣየድልየካን እዩ።