መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣየመልከትካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ብመንገዲ ንቡር መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣቢልካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ መርሓ ውጥን ኣንብብ።
ዓንቀጽ
ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንዝወሃብ ውሳኔ ምጽባይ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:28 ቅ.ቀ.

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ሕጂ ነቲ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክግምግሞ እዩ። ነቲ ውሳኔ ድማ ብፖስታ ክትቅበሎ ኢኻ።

ንመመልከቲኻ ዝምልከት ውሳኔ ናይ IND ምጽባይ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ውሳኔ ክወስድ እዩ። ነዚ ውሳኔ ድማ ብፖስታ ክትቅበሎ ኢኻ። ንኩነት መመልከቲኻ ብኢንተርነት ኣብ 'Mijn IND' ክትርእዮ እውን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ንመመልከቲኻ ዝያዳ ግዜ የድልዮ እዮ። ንኣብነት መመልከቲኻ ምሉእ ስለዘይኮነ። እንተድኣ ብመሰረት IND ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብሓቂ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምዃኖም ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ዘየለ ኮይኑ፣ IND ንመመልከቲኻ ንኸካይዶ ዝያዳ ግዜ ክወስድ እውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ እንተኾይኑ ካብ IND ክንደይ ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮም ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። ስለዚ IND ኣብቲ ደብዳቤ ተወሰኽቲ ሰነዳት ንኽትሰድድ ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ እውን መርመራ ዲ. ኤን.ኤ ወይ ምሳኻን ምስ ኣባል ስድራ-ቤትካን (ብኢንተርነት) ቃለ-መሕትት ክገብሩ ይሓቱ እዮም።

'Mijn IND'
ንኩነት ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ብኢንተርነት ብመንገዲ 'Mijn IND' ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ።
2 ክውሰዱ ዝኽእሉ ውሳኔታት ኣለዉ

IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ፣ ነቲ ውሳኔ ብደብዳቤ ክትቕበሎ ኢኻ። እዚ ውሳኔ እዚ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ እዩ፡

  • ኣወንታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ይፍቀደሉ እዩ። 

  • ኣሉታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ኣይፍቀደሉን እዩ።

IND ኣወንታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን

IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣጽዲቕዎ ድዩ? ስለዚ ድሕሪኡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ መበቆል ሃገር ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ

ክረክብ እዩ። እዚ ድማ ንመገሻ ዝኸውን ቪዛ እዩ። 

ኣብ መበቆል ሃገርካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ የለን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ናብ ዝርከበሉ ጎረቤት ሃገር ክጎዓዝ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ IND ክሕብረካ እዩ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽአ ፍቓድ መንበሪ ክረክብ እዩ።

IND ኣሉታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን

IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣየጽደቖን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ቪዛ ኣይክረክብን እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል
ብኸመይ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ከም እትብል ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?