ሰበይቲ ኣብ ትካል መጠጣ መኪና ናብ መኪና ትጥምት።
ምንጪ፡ Inside Creative House
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ መኪና ትገዝእ እንተድኣ ኮይንካ እዚ ክትፈልጥ ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 10/3/2025 11:39 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ መኪና ክትገዝእ ትደልይ ዲኻ? ከምኡ ንምግባር ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እንታይ ከተቕልበሉ ከም ዘለካን፣ ኣየኖት ወጻኢታት ከምዘለዉን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብኸምዚ ኣገባብ መኪና ክትገዝእ ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኡ ግዜ ካልኣይ ኢድ መካይን እየን ካብ ነጋዳይ መኪና ወይ ካብ ሰብ ዝዕደጋ። ከም Marktplaats.nl ከምኡ እውን Autoscout24.nl ዝኣመሰሉ መርበባት-ሓበሬታ፣ ብኢንተርነት ካልኣይ ኢድ መካይን ንምግዛእ ክትጥቀመሎም እትኽእል ቦታታት እዮም። ብመንገዲ እዞም መርበባት-ሓበሬታ ድማ ነጋዶ መካይንን ውልቀሰባትን መካይን ይሸጡ። ካብ ነጋዳይ መኪና ምግዛእን ዘይምግዛእን ግን ፍልልያት ኣለዎ፡   

  • መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ነጋዳይ መኪና እትገዝኣ መኪና ተተኣማምን እያ። ነጋዳይ መኪና ሓደስቲ ን/ወይ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓላ መካይን ዝሸይጥ ትካል ወይ ሰብ እዩ። ብዙሕ ግዜ ዋሕስ ማለት ጋራንሲ ትረክብ ኢኻ። እዚ ማለት ጸገም እንተተፈጢሩ ክትምለስ ትኽእል ማለት እዩ። ነጋዶ ኣብ ምዝገባን መድሕንን እውን ይሕግዙ እዮም።   

  • ካብ ሰብ መኪና ምግዛእ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሰረ ኮይኑ፣ ካብ ነጋዳይ መኪና ንላዕሊ ዝያዳ ስግኣታት ዘለዎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዋሕስ ማለት ጋራንሲ የብሉን፣ ከምኡ እውን ኣብታ መኪና ብቕጽበት ዘይትርእዮ ጸገማት ክህሉው ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ መኪና ቅድሚ ምግዝኦም መኪናኦም ብክኢላ የመርመሩ።

መኪና ምስ እትገዝእ ዘለዉ ተወሰኽቲ ወጻኢታት እዚኦም እዮም

ብዘይካ እቲ ናይ መኪና ዋጋ ዕድጊ፣ ካልኦት ወጻኢታት ኣብ ግምት ከተእቱው ኣለካ፡ ንሳቶም ድማ፡ 

  • ናይ መጓዓዚ-ሰባት መካይንን ሞተር ብሽክለታን (BPM) ግብሪ፡ ሓዳስ መኪና ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ነዚ ግብሪ ትኸፍል። 

  • ግብሪ ተሽከርከርቲ ሞተር (MRB)፡ እዚ ኣብ ክብደት መኪናን ዓይነት ነዳድን ዝምርኮስ ወርሓዊ ወይ ርብዒ-ዓመታዊ ዝኽፈል ግብሪ እዩ። 

  • መድሕን፡ ኣብ ኔዘርላንድ መድሕን መኪና ምግባር ግዴታ እዩ። እንተወሓደ

    መድሕን ሕጋዊ ተሓታትነት (WA-verzekering)
    ግዴታ እዩ። 

  • ጽገና ከምኡ እውን APK፡ መካይን ብስሩዕ ክጽገናን ክምርመራን ኣለወን (APK)። እዚኦም ኣብ ግምት ከተእትዎም ዘለካ ተደጋጋምቲ ወጻኢታት እዮም። 

መኪናኻ ምምዝጋብን ታርጋ ምዝውዋርን 

መኪና እንተድኣ ገዚእካ ኣብ

ሃገራዊ በዓል-መዚ ተሽከርከርቲ (RDW)
ከተመዝግባ ኣለካ። ታርጋ ድማ ናብ ስምካ ከም ዝሰጋገር ትገብር። እዚ ምትሕልላፍ ይበሃል። ነዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐጥታ ምስቲ ነጋዳይ ከተዋድዶ ትኽእል ኢኻ። ካብ ሰብ መኪና እንተገዚእካ ድማ ነዚ ኣብ ከም ነቚጣ PostNL ዝኣመሰለ ናይ ታርጋ ነቚጣ ኢኻ ትገብሮ። ድሕሪ ምዝገባ ናይ ታርጋ ምስክር ወረቐት ክትረክብ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ምትሕልላፍ ብኢንተርነት እውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። 

መኪና ንምትሕልላፍ እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የድልዩኻ፡ 

  • ሕጋዊ ናይ ወጻኢ ሃገር መለለዪ መንነት፤ ከምኡ እውን 

  • ካብ

    መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
    ዝተረኽበ ናትካ
    ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)
    ዘለዎ ቅዳሕ። ነዚ ቅዳሕ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ ካብ 3 ኣዋርሕ ንላዕሊ ዝገበረ ክኸውን ድማ የብሉን። 

መኪና ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ዝኾኑ ምኽርታት

መኪና ክትገዝእ እንተድኣ ኮይንካ፣ እታ መኪና ጽቡቕ ከም እትዝውር ንምርግጋጽ፣ ኩሉ ግዜ ንፈተነ ክትዝውራ ትኽእል ኢኻ። ኩሎም ወረቓቕቲ ስሩዓት ምዃኖም ድማ ተቖጻጸር፣ ከም ናይ ጽገና መዝገብ፣ ናይ APK መርመራን ናይ ታርጋ ምስክር ወረቐትን ዝኣመሰሉ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር