ሰለስተ ዝተፈላለዩ ምልክታት ትራፊክ
ምንጪ፡ Pexels
ዓንቀጽ

ሕግታት ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:25 ቅ.ቀ.

ሓደጋታት ንምውጋድ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተፈለላዩ ኩነታት ትራፊክ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ትራፊክ ኣብ ኔዘርላንድ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቀንዲ ኣገደስቲ ሓፈሻዊ ሕግታት ትራፊክ

ኣብዚ ታሕቲ ኣብ ትራፊክ ኔዘርላንድ ኣገደስቲ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ብየማናይ ሸነኽ ምዝዋርን ቀዳምነት ምሃብን

  • ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ትራፊክ የማናይ ሸነኽ ክኽተል ኣለዎ።

  • ኣብ መስቀላዊ መንገድታትን ጎድናዊ ጽርግያታትን፣ ብየማን ዝመጽእ ተሽከርካሪ ቀዳምነት ይወሃቦ፣ ብዘይካ ሰሌዳታት ወይ ምልክታት ትራፊክ ካልእ ዝሕብሩ እንተኾይኖም።

  • ክትጽንበር ወይ ናብ መዞርያ ክትኣቱው እንተደሊኻ ቀዳምነት ክትህብ ኣለካ።

  • ሰማያዊ ብልጭ ዝብል መብራህቲን ሲረናን ዘለወን ኣምቡላንሳት፣ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓዊን ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ይወሃበን።

ካልኦት ሕግታት ትራፊክ፡

  • ኣብ ቅድሚ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ ደው ክትብል ኣለካ።

  • ኣብ መኪና ቅናት መንበር ክትገብር ግዴታ ኣለካ፣ ዋላ ተሳፋራይ እውን እንተኾንካ።

  • ኣንፈት እትቕይር ተሽከርካሪት ኣንፈት ከተመልክት ኣለዋ። ተሽከርካሪት ሞተር ነዚ ኣራንሾኒ ብዝሕብሩ ብልጭ ዝብል መብራህቲ ትገብሮ። በዓል ብሽክለታ ድማ ኢዱ ብምዝርጋሕ ምልክት ይገብር።

  • እግረኛታት ብማርሻቤዲ ክኸዱን፣ ብመሳገሪ እግረኛ ክሰግሩን ኣለዎም። ማርሻቤዲ እንተዘይሃልዩ ድማ ብጸጋማይ ሸነኽ ናይቲ መንገዲ ምስጓም ዝበለጸ እዩ።

  • ኣብ ናይ ፍጥነት ጽርግያታት፣ ሓዲዳት ባቡርን ትራምን ብእግርኻን ብሽክለታን ምጉዓዝ ክልኩል እዩ። 

  • ጽልግልግ ክብል እንከሎ ነፍስወከፍ ተሽከርካሪት ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን መብራህቲ ክትውልዕ ኣለዋ። እዚ ንብሽክለታታት እውን ይምልከት እዩ።

  • ነቶም ሕግታት ምስ እትጥሕስ ፖሊስ መቕጻዕቲ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ሕግታት ብዛዕባ መቖም መኪና

ኣብ ኔዘርላንድ መኪናኻ ወይ ካልእ ተሽከርካሪት ሞተር ኣብ ኩሉ ቦታ ከተቚም ኣይፍቀደልካን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መቖም መኪና እውን ክትከፍል ኣለካ። "ሰማያዊ ዞን" ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰማያዊ ጥርዝታት ዘለዎም ማርሻፐዲ፣ መኪና ንምቋም ገንዘብ ክትከፍል ዘይትግደደሎም ከባቢታት እዮም። ሰማያዊ ካርድ እንተሃልዩካ ኣብዞም ዞናት ንገለ ሰዓታት ብነጻ መኪና ከተቚም ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ካርድ ድማ ኣብቲ መቖም መኪና ሰዓት ክንደይ ከም ዝመጻእካ ትሕብር። ነዚ ካርድ ካብ መደበራት ፖሊስ፣ መዐደሊ ነዳዲ ወይ ድኳናት ትምባኾ ክትገዝኦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዳርጋ ኩሉ ግዜ ናይ መቖም መኪና ክትከፍል ኣለካ። እዚ ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ኣምስተርዳም፣ ኡትረኽት፣ ሮተርዳምን ደን-ሃኽን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ማእከላይ ዋጋ €2,80 ንሰዓት እዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ከም በዓል ኡትረኽት፣ ደን-ሃኽን ሮተርዳምን ዝኣመሰሉ ቦታታት €3,00 - €4,00 ንሰዓት፣ ኣብ ኣምስተርዳም ድማ ክሳብ €7,50 ክትከፍል ትጽቢት ግበር። ካብ ማእከል ብዝረሓቕካ መጠን ናይ መቖም መኪና ክፍሊት እናሓሰረ ይኸይድ።

Expat Republic
መቖም መኪና ኣብ ኔዘርላንድ ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ 'Expat Republic' ብእንግሊዝኛ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕግታት ኣብ እዋን ብልሽት መኪና

ኣብ ናይ ፍጥነት ጽርግያ ብልሽት እንተድኣ ኣጋጢሙካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ውሑስ ቦታ ክትበጽሕ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ናይ ፍጥነት ጽርግያ ብልሽት ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ድማ ኣብዚ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ፡

  • እንተተኻኢሉ ናብ መቖም መካይን ወይ መዐደሊ ነዳዲ ንኽትበጽሕ ዘውር።

  • እዚ እንተዘይሰሊጡ ናይ ሓደጋ መብራህቲ ወልዕ፣ ነታ መኪና ብየማናይ መንደልደል ሓጹር ብዝተኻእለ መጠን ኣጸጊዕካ ደው ኣቢልካ፣ ነቶም ናይ ቅድሚት መንኰርኰር ጎማታት ድማ ናብቲ መንደልደል ሓጹር ገጽካ ጥወዮም።

  • ንስኻን ካልኦት ተሳፈርትን ብየማናይ ሸነኽ ንኽትወጹ ዘኽእለኩም እኹል ቦታ ግደፍ።

  • ምስቶም ካልኦት ተሳፈርቲ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ብድሕሪ እቲ መንደልደል ሓጹር ደው በል። እንተተኻኢሉ ናይ ድሕነት ጅሌ ተኸደኑ ።

  • ኣብቲ ቦታ ኮይንካ ናብ ወሃቢ ሓገዝ ብልሽት መካይን ደውል፣ ከም በዓል Wegenwacht

    ወይ ካልእ ወግዓዊ ወሃቢ ሓገዝ ዝኣመሰለ። ህጹጽ ወይ ውሑስ ዘይኮነ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ድማ ናብ ሃገራዊ መስመር ሓበሬታ (0800-8002) ክትድውል እውን ትኽእል ኢኻ።

  • ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተሃልዩ ናብ 112 ደውል።

ሓደጋ ወይ ብልሽት መኪና ምስ ዘጋጥመካ ብልክዕ ኣበይ ከምዘለኻ ኣፍልጥ። ነዚ ሓበሬታ ኣብቲ ንዓኻ ዝቐረበ ኣብ የማናይ ሸነኽ ናይቲ ጽርግያ ዝርከብ መሓበሪ ርሕቐት ዓንዲ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መሓበሪ ርሕቐት ዓንዲ ኣብ ጎኒ ጽርግያታት ዝርከብ ኮይኑ ክሳብ ዝተወሰነ መበገሲ ቦታ ዘሎ ርሕቀት ዝሕብር ዓንዲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ኣብ ነፍስወከፍ 100 ሜትሮ መሓበሪ ርሕቐት ዓንዲ ኣሎ፣ እዚ ዓንዲ ሄክቶሜተር እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ኣብቲ መሓበሪ ርሕቐት ዓንዲ ዘለዉ ቁጽርታትን፣ ኣብ ጸጋማይ ወይ የማናይ ሸነኽ ጽርግያ ምህላውካን ድማ ሓብር።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?