መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልክት
ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ IND ምምልካት
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ነቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ቅድመ-ኩነታት የማልኡ ድዮም? ስለዚ ኣብ IND ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ ድማ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ፣ መመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ትጅምሮ
ንመመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ብምጅማር፣ ነቲ መመልከቲ ከም ናይ "ምጥርናፍ ስድራ ዑቕባ" መመልከቲ ገይርካ ከተቕርቦ ከም እትኽእል ተረጋግጽ። ነዚ መመልከቲ ብምቕራብ ብዙሓት ጽኑዓት ዝኾኑ ጠለባት ከተማልእ ኣየድልየካን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብነጻ እዩ።
ንመመልከቲኻ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብዙሕ ሰነዳት የድልየካ እዩ። ዋላ እውን ገና ኩሉ ዘድልይ ሰነዳት ዘይብልካ ምስ እትኸውን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ናብ
ብኢንተርነት፡ "ንኣባላት ስድራ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ"
ብጽሑፍ፡ "ንኣባላት ስድራ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ"
ደገፍ ኣብ እዋን ምምልካት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት
ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ
VWN ነዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል
ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይኽእል፡
ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ።
ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ምምላእ ይድግፈካ።
ኣብ እዋን መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ክንዳኻ ምስ IND ርክብ ይገብር።
ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይድግፈካ።
ሓደ ሓደ ግዜ VWN፣ ካብ
ብዝርከብ ኣበርክቶ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ዝኽሕስ እዩ።ማዕከን ስደተኛታትኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይድግፈካ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋትን ኣበልን ኣብ ምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VWN ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።