ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምምልካት
ኣብዚ መርሓ ውጥን፣ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምምልካት ኣየኖት ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣየኖት ሰነዳት ከም ዘድልዩኻን ብኸመይ መንበሪ ፍቓድ ከም እተመልክትን እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሰነድ ክታሙ የንብር።
ምንጪ፡ Cytonn Photography
ዓንቀጽ
ንቀዋሚ መንበሪ ፍቓድካ ዝኾኑ ሰነዳት ምእካብ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:33 ቅ.ቀ.

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ከተረክብ ኣለካ። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ቅድሚ ምምልካት ምጅማርካ ኣየኖት ሰነዳት ከም ዘድልዩኻ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እዚኦም ሰነዳት የድልዩኻ

ቅድሚ መመልከቲ ምቕራብካ ብዝኾነ ነዚኦም ዝስዕቡ ሰነዳት ኣክብ፡

  1. ካብ

    መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
    ዝተረኽበ ቅዳሕ።

  2. ናይ ምውህሃድ ፈተናኻ ብዓወት ከምዝዛዘምካ መረጋገጺ። ብዘይካ

    IND
    ምውህሃድ ካብ ምግባር ሕድገት ዝገበረልካ ምስ እትኸውን። ከምኡ ምስ ዝኸውን ናይዚ መረጋገጺ ከተርእይ ኣለካ።

  3. ቅዳሕ ናይ ብቚዕ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ።

  4. መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን

  5. IND ሓደ ሓደ ግዜ ካልእ ሰነዳት ክሓተካ ይኽእል እዩ።

ነዞም ሰነዳት ናብ IND ከተረክቦም ኣለካ። ነቶም ሰነዳት ኣብ ግዚኡ ንኽትእክቦምን ናብ IND ከተረክቦምን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ IND ንመመልከቲኻ ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ ንኽግምግም የኽእሎ።

እቶም ሰነዳት ክትርጎሙ ኣለዎም

መብዛሕትኡ ግዜ ናብ IND ኣብ እተመልክተሉ እዋን ካብ መበቆል ሃገርካ ወግዓዊ ሰነዳት የድልየካ እዩ። እዞም ሰነዳት

ቃለ-መሓላ ብዝፈጸመ ኣተርጓሚ
ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ክትርጎሙ ኣለዎም።

ነቶም ሰነዳት ብኢንተርነት ኣረክቦም ወይ ቅዳሓት ግበር

ብኢንተርነት ዲኻ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ትሓትት ዘለኻ? ስለዚ ነቶም ሰነዳት ካብ ኮምፒተርካ ክትጽዕኖም ማለት ኣፕሎድ ክትገብሮም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብመልክዕ ብንጹር ዝንበብ ስእልታት ወይ ስካን።

ብፖስታ ዲኻ ከተመልክት? ስለዚ ነቶም መበቆላውያን ማለት ኦርጅናል ሰነዳት ናብ IND ኣይትስደዶም። ብንጹር ዝንበብ ቅዳሓት ግበር፣ ከምኡ እውን ኣብ ነፍስወከፍ ቅዳሕ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ጸሓፈሉ። A4 ወረቐት ጥራይ ተጠቐም፣ ከም USB፣ ዲቪዲ ወይ ናይ ስእሊ ኣልቡም ዝኣመሰሉ ነገራት ድማ ኣይትስደድ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?