
IND ብዛዕባ ዕድመኻ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ብኸምዚ ይሰርሕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ከካይድ ይኽእል እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝተፈልዩ መሰላት ኣለዉኻ። ነዞም መሰላት እትረኽቦም ግን IND ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ርግጸኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።
IND ኣብ ኔዘርላንድ ምስ መጻእካ ዕድመኻ ይምርምር
IND መጀመርታ ዕድመኻ ኣብ ቃለ-መሕትት ይምርምር
IND ሰነድ ስለዘይብልካ ወይ ሰነዳትካ ናይ ሓቂ ኣይኮኑን ኢሉ ስለዝሓሰበ ብዛዕባ ዕድመኻ ጥርጣረ ኣለዎ ድዩ?
ብተወሳኺ IND ድሮ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከይድካ ዝነበርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ዕድመኻ ክንደይ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ከም ዝርከብን ይምርምር። ድሮ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዕድመኻ ተመዝጊቡ ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ፣ IND መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዕድመ እዩ ዝወስድ።
ሓደ ሓደ ግዜ IND ዕድመኻ ንምፍላጥ ኣካላዊ መርመራ እውን ይገብር
IND ድሕሪ እቲ ምሳኻ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገና ትሕቲ ዕድመ ምዃንካ ጥርጣረ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ሓበሬታታትካን ዕድመኻን ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዘይተዓቀቡ እንተድኣ ኮይኖም፣ IND ናይ ዕድመ መርመራ ንምግባር ንኽትተሓባበር ክሓተካ ይኽእል። ስለዚ ሽዕኡ ራጂ ናይ ኢድካን (ጉንቦ-ኢድ) ሓላቕምቲ መንኵብካን ይውሰድ። ካብቲ ራጂ ድማ ሓካይም ዕድመኻ ብገምጋም ክንደይ ከምዝኾነ ክርእዩ ይኽእሉ።
ምስ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ዘይተሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ እዚ ክትገብር ትኽእል
ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ርግጸኛ ክነስኻ፣ መርመራ ናይ IND ልዕሊ 18 ዓመት ምዃንካ ዘርእይ ድዩ? ስለዚ ክልተ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ምስ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ኣይትማማዕን ዲኻ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ካልእ ሓኪም ዳግማይ ክምርምረካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ‘ካልኣይ ርእይቶ’ ምሕታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዳግማይ መርመራ ክገብር ፍቓደኛ ዝኸውን ሓኪም ግን ባዕልኻ ክትረክብ ኣለካ።
ብዛዕባ እዚ ሓገዝ እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ኣብ VluchtelingenWerk (VWN) ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ርክብ ግበር። ምስ ናይ IND ውሳኔ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ኣንጻር ናይ IND ውሳኔ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ንIND ከም ዘይትሰማማዕ ትነግሮ ማለት እዩ። ብድሕሪኡ IND እቲ ውሳኔ ብትኽክል ዝተወስደ ምዃኑን ዘይምዃኑን ደጊሙ ክምርምር እዩ። ብድሕሪኡ IND ሕጂ እውን ዕድመኻ ቅኑዕ ኣይኮነን ድዩ ዝብል? ስለዚ ድሕሪኡ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ተቓውሞ ከተቕርብ ወይ ይግባይ ክትብል እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ምስ ጠበቓኻ ርክብ ግበር።