ክልተ መንእሰያት ምስ ነንሓድሕዶም ይዛረቡ።
ምንጪ፡ Youssef Amakran / VluchtelingenWerk
ዓንቀጽ

IND ብዛዕባ ዕድመኻ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ብኸምዚ ይሰርሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/2/2025 4:42 ድ.ቀ.

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ከካይድ ይኽእል እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝተፈልዩ መሰላት ኣለዉኻ። ነዞም መሰላት እትረኽቦም ግን IND ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ርግጸኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

IND ኣብ ኔዘርላንድ ምስ መጻእካ ዕድመኻ ይምርምር

ናብ ኔዘርላንድ ኣብ እትመጽኣሉ እዋን ኣብ IND ትምዝገብ።

INDን
ፖሊስን
ድማ መንነትካን ዕድመኻን ይምርምሩ። ከም ፓስፖርት ዝኣመሰሉ ሰነዳት እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ IND ዕድመኻ ብርግጽ ክንደይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሰነዳት እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ወይ ፖሊስ ወረቓቕትኻ ናይ ሓቂ ኣይኮኑን ኢሉ እንተድኣ ሓሲቡ ግን፣ IND ዕድመኻ ብርግጽ ክንደይ ምዃኑ ክፈልጥ ኣይክእልን። ስለዚ ሽዕኡ IND ዕድመኻ ክምርምር እዩ።

IND መጀመርታ ዕድመኻ ኣብ ቃለ-መሕትት ይምርምር

IND ሰነድ ስለዘይብልካ ወይ ሰነዳትካ ናይ ሓቂ ኣይኮኑን ኢሉ ስለዝሓሰበ ብዛዕባ ዕድመኻ ጥርጣረ ኣለዎ ድዩ? ስለዚ IND መጀመርታ ብዛዕባ እዚ ምሳኻ ቃለ-መሕትት ክገብር እዩ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ድማ IND ናይ ዕድመኻ ግምት ይወስድ።

ብተወሳኺ IND ድሮ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከይድካ ዝነበርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ዕድመኻ ክንደይ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ከም ዝርከብን ይምርምር። ድሮ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዕድመኻ ተመዝጊቡ ዝርከብ እንተድኣ ኮይኑ፣ IND መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዕድመ እዩ ዝወስድ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ዕድመኻ ንምፍላጥ ኣካላዊ መርመራ እውን ይገብር

IND ድሕሪ እቲ ምሳኻ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገና ትሕቲ ዕድመ ምዃንካ ጥርጣረ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ሓበሬታታትካን ዕድመኻን ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዘይተዓቀቡ እንተድኣ ኮይኖም፣ IND ናይ ዕድመ መርመራ ንምግባር ንኽትተሓባበር ክሓተካ ይኽእል። ስለዚ ሽዕኡ ራጂ ናይ ኢድካን (ጉንቦ-ኢድ) ሓላቕምቲ መንኵብካን ይውሰድ። ካብቲ ራጂ ድማ ሓካይም ዕድመኻ ብገምጋም ክንደይ ከምዝኾነ ክርእዩ ይኽእሉ።

ምስ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ዘይተሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ርግጸኛ ክነስኻ፣ መርመራ ናይ IND ልዕሊ 18 ዓመት ምዃንካ ዘርእይ ድዩ? ስለዚ ክልተ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  1. ምስ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ኣይትማማዕን ዲኻ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ካልእ ሓኪም ዳግማይ ክምርምረካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ‘ካልኣይ ርእይቶ’ ምሕታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዳግማይ መርመራ ክገብር ፍቓደኛ ዝኸውን ሓኪም ግን ባዕልኻ ክትረክብ ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ሓገዝ እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ኣብ VluchtelingenWerk (VWN) ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ርክብ ግበር።

  2. ምስ ናይ IND ውሳኔ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ኣንጻር ናይ IND ውሳኔ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ንIND ከም ዘይትሰማማዕ ትነግሮ ማለት እዩ። ብድሕሪኡ IND እቲ ውሳኔ ብትኽክል ዝተወስደ ምዃኑን ዘይምዃኑን ደጊሙ ክምርምር እዩ። ብድሕሪኡ IND ሕጂ እውን ዕድመኻ ቅኑዕ ኣይኮነን ድዩ ዝብል? ስለዚ ድሕሪኡ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ተቓውሞ ከተቕርብ ወይ ይግባይ ክትብል እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ምስ ጠበቓኻ ርክብ ግበር።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር