ሶርያውያን ኣወዳት ድሕሪ ለበዳ ኣብ ጎደናታት ቱርኪ። ዕለታዊ ህይወት ኣብ ኡርፋ።
ምንጪ፡ Shutterstock, Alfa Net, 2023
ዓንቀጽ

ትሕቲ 18 ዓመት ምስ እትኸውን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መዕቆቢ ስደተኛታት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 14/11/2024 11:11 ቅ.ቀ.

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ብዘይ ስድራኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ስለዚ ንዓኻ ዝኸውን ፍሉይ መዕቆቢ ኣሎ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየናይ ፍሉይ መዕቆቢ ከም ዝዳለወልካ ኣብዚ ኣንብብ።

ኒዶስ ዝበሃል ውድብ ግቡእ መዕቆቢ ኣብ ምርካብ ይድግፈካ 

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ንኽትሓትት ትምዝገብ ዲኻ? ስለዚ ምስ ሰራሕተኛ ናይ

ኒዶስ (Nidos)
እውን ዝርርብ ክትገብር ኢኻ። ኒዶስ ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን፣ ብዘይ ወለዲ ንበይንኻ ናብ ኔዘርላንድ ዝሃደምካ ምስ እትኸውንን ዝድግፈካ ውድብ እዩ። ኒዶስ ምስ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ብሓባር ብምኻን መዕቆቢ ከዳልወልካ እዩ። ከምኡ እውን ብ ኔዘርላንድ ናትካ ሓላፍነት ዝስከም
ሞግዚት
ካብ ኒዶስ ክምደበልካ እዩ። ወለድኻ ኣብ ኔዘርላንድ ስለዘየለዉ ድማ እቲ ሞግዚት በጽሒ ክሳብ እትኸውን ናታቶም ዕማም ክስከም እዩ። ሞግዚትካ ጽቡቕ ክንክን ከም እትረክብ ከረጋግጽን፣ ከምኡ እውን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣብ ምውሳድ ክሕግዘካን እዩ። ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ሞግዚትካ እዩ ዝመርሓካ።

ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ዲኻ ዑቕባ ትሓትት? ስለዚ ዘመልከትካዮ ዑቕባ እውን ኣብ ተር ኣፐል እዩ ዝምስራሕ። ኣብ ስኺፖል ዝርከብ

ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar)
ድማ ክምዝግበካን፣ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ክወስድን እዩ። ብድሕሪኡ KMar ሓደ ሰብ ናብ ተር ኣፐል ከም ዝወስደካ ክገብር እዩ።

ትሕቲ 15 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ትነብር

  • ትሕቲ 15 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ፣ ምስ ናይ ኒዶስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትነብር ኢኻ። እዚ ናባዪ ስድራ-ቤት ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ኒዶስ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስድራ-ቤት እንተሃልዩ ክርእይ እዩ። ንድሕረ-ባይታኻን ባህልኻን ድማ ኣብ ግምት ከእትዉ እዮም። እቲ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት እንተድኣ ዘይተሰማሚዑካ፣ ብዛዕባ እዚ ንናይ ኒዶስ ሞግዚትካ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ ኒዶስ እኹል ቦታ እንተዘይሃልዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ዕድሜኻ 13 ወይ 14 ዓመት ምስ ዝኸውን ናብ ናይ COA መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ ትኸይድ። ኣብኡ እውን ብመልክዕ ስድራ-ቤት ኢኻ ትነብር። ሕግታትን ስምምዓትን ኣለዉ፣ ኣብ ግዚኡ ክትድቅስ ኣለካ፣ ንስኻን እቶም ካልኦት ነበርትን ድማ ኣብ ሰሙን ሒደት እዋናት ግድነት ብሓባር ክትበልዑ ኣለኩም።

ልዕሊ 15 ዓመት እንተኾንካ ምስ ካልኦት መንእሰያት ኣብ ፍሉይ መዕቆቢ ትነብር 

ካብ 15 ክሳብ 18 ዓመት ድዩ ዕድሜኻ? ስለዚ ንመንእሰያት ኣብ ዝኸውን ፍሉይ መዕቆቢ ኢኻ ትነብር። ነዚ መዕቆቢ ድማ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ወይ

ኒዶስ
ከዳልወልካ እዩ።

ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ኣብ ህጹጽ መዕቆቢ ክትነብር ኣይፍቀደልካን

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ፍሉይ መዕቆቢ መንእሰያት ኢኻ ትነብር። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ COA ኣብ

ህጹጽ መዕቆቢ ቦታ
መዕቆቢ እንተድኣ ሂቡካ፣ እዚ ኣንጻር ሕጊ እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርትን ግቡእ ምርሒትን ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ እትረኽቦ ድማ ኣብ ፍሉይ መዕቆቢ መንእሰያት ጥራይ እዩ። ኣብ ህጹጽ መዕቆቢ ንዓኻ ዝኸውን ቤት-ትምህርቲ ወይ ምርሒት የለን።  

IND ልዕሊ ዕድመ ኢኻ ኢሉ ብሰንኪ ምሕሳቡ፣ ኣብ ህጹጽ መዕቆቢ ወይ በጽሒታት ጥራይ ኣብ ዝርከብሉ መዕቆቢ ንኽትነብር ክትከይድ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ሽዕኡ እዚ ከምኡ ከምዘይኮነ ብመርትዖ ከተረጋግጽ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ብቕጽበት ምስቲ ኣብ ህጹጽ መዕቆቢ ዝርከብ ናትካ ናይ COA ተጸዋዒ-ሰብ፣ ወይ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ርክብ ብምግባር፣ ትሕቲ ዕድመ ምዃንካን ኣብዚ ክትቅመጥ ከምዘይፍቀድን ንገሮም። ትሕቲ ዕድመ ምዃንካ ዘረጋግጽ ወግዓዊ ወረቃቕቲ ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን ከምኡ ግበር። COAን VWNን ድማ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን እንታይ ክትገብር ከም ዝሓይሽ ክርእዩ ይኽእሉ እዮም። ኣድላዪ እንተኾይኑ VWN ጠበቓ እውን ከዳልወልካ ይኽእል እዩ።

18 ዓመት ምስ መላእካ ንበጽሒታት ናብ ዝኸውን መዕቆቢ ትኸይድ 

18 ዓመት መሊእካ ዲኻ፣ ከምኡ እውን

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ብዛዕባ ዝሓተትካዮ ዑቕባ ገና ውሳኔ ኣይወሰደን ድዩ? ስለዚ ናብ ሓደ ንበጽሒታት ዝኸውን መዕቆቢ ቦታ (AZC) ክትግዕዝ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ 18 ዓመት ምስ መላእካ በጽሒ ኢኻ። ብድሕሪኡ ደጊም ሞግዚት የብልካን። ኣብቲ እዋን እቲ ገና (ቤት-ትምህርቲ) ስልጠና ትከታተል እንተሃሊኻ ድማ ክትውድኦ ይፍቀደልካ እዩ።

ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ኣበይ ከም እትነብር ኣብ ውሳኔ ናይ IND እዩ ዝምርኮስ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ተቐቢልካ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ገና ትሕቲ ዕድመ ዲኻ? ስለዚ ልዕሊ 15 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ፣ ምናልባት ካብቲ ናይ ንኡሳት መዕቆቢ ቦታ፣ ንመንእሰያት ናብ ዝኸውን

ንእሽቶ መንበሪ ኣሃዱ (KWE)
ክትሰጋገር ኢኻ።  

መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ዘይተቐቢልካ፣ ካብ ኔዘርላንድ ለቂቕካ ክትወጽእ ክሳብ እትግደድ ምስ COA ምንባር ክትቅጽል ኢኻ። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትብገስ ክሳብ እትግደድ ድማ መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። 

  • ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
    መጀመርታ ኣብ መበቆል ሃገርካ ንዓኻ ዝኸውን መዕቆቢ ክርከብ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር ኣለዎ፣ ንኣብነት ምስ ወለድኻ፣ ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤትካ፣ ወይ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ናይ መዕቆቢ መሳለጥያታት። ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን እውን። 

  • ኣብ መበቆል ሃገርካ መዕቆቢ እንተድኣ ዘይተኻኢሉ፣ 18 ዓመት ክሳብ እትመልእ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ እውን ገና ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ። 

ብተግባር መብዛሕትኡ ግዜ 18 ዓመት ክሳብ እትመልእ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ይፍቀደልካ እዩ። እቲ IND ኣብ መበቆል ሃገርካ ክገብሮ ዘለዎ መርመራ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ከም እትኽእል እዩ ዝውሰን።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር