ቤት-ጽሕፈት UWV ኣብ ብሬዳ
ምንጪ፡ Shutterstock / BYonkruud
ዓንቀጽ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ምምልካት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:26 ቅ.ቀ.

ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ሽቕለት ኣልቦ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ እዚ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ 'WW-uitkering' ይበሃል። ኣብ መንጎ ናይ ቀደም ስራሕካን ሓድሽ ስራሕካን ንዝጠፍእ ኣታዊ ንምኽሓስ ዝዓለመ ግዝያዊ ደገፍ እዩ።

ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምምልካት ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም 

ነዞም ቅድመ-ኩነታት ምስ እተማልእ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ (WW-uitkering) ንኽትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ፡  

  • ኣብተን ሽቕለት ኣልቦ ቅድሚ ምዃንካ ዘለዋ 36 ሳምንታት፣ ን26 ሳምንታት ብተኸታታሊ ሰሪሕካ ኢኻ።

  • ብደሞዝ ተቖጺርካ ኢኻ ሰሪሕካ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ኢኻ እትነብር።

  • ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰሙን 10 ሰዓታት ትሰርሕ ነይርካ።

  • ኣብ ሰሙን 5 ሰዓታት ወይ ልዕሊኡ ናይ ስራሕ ተኽእሎ ዝሰኣንካ ኢኻ።

  • ብሰንኪ ናትካ ጥፍኣት ሽቕለት ኣልቦ ዝኾንካ ኣይኮንካን።

  • ብቐጥታ ካልእ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትደልይ ክትጅምር እትኽእል ኢኻ።

ንኹሎም ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ቅድመ-ኩነታት ትማልእ ዲኻ? ስለዚ መጀመርታ ን3 ኣዋርሕ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፣ ን4 ዓመታት ሰሪሕካ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ንነዊሕ እዋን ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት

  1. ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ካብ

    ፈጻሚ ተቕዋም መድሕን ሰራሕተኛታት (UWV)
    ኢኻ እተመልክት። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘባዊ ደገፍ ዝህብ ተቕዋም እዩ።

  2. ብኢንተርነት ናብ ናይ UWV ፕሮፋይልካ ብመንገዲ ናትካ

    DigiD
    ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

  3. ቅድሚ ሕጂ ከምኡ እንተዘይገይርካ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻን ቁጽሪ ተሌፎንካን ኣብ ናይ UWV ፕሮፋይልካ ኣቐምጥ።

ቅድሚ 1 ሰሙን ካብታ ሽቕለት ኣልቦ እትኾነላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚርካ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ክሳብ 1 ሰሙን ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ናይ ስራሕ መዓልትኻ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ነዚ ድሒርካ ገይርካዮን ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ምስ ዝህልወካን፣ ኣብ ምጅማር ናይቲ ደገፍ ትሑት መጠን ገንዘብ ክትረክብ ኢኻ።

ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ኣመልክት

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ፈጻሚ ተቕዋም መድሕን ሰራሕተኛታት (UWV) ናይ ሽቕልት ኣልቦነት ደገፍ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ፣ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ምምልካት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ መሰል እንተዘይብልካ፣ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ

ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ክትረክብ ገና መሰል የብልካን ድዩ? ወይ እትረኽቦ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ድሮ ኣብቂዑ፣ ግን ድማ ገና ሓድሽ ስራሕ ኣይረኸብካን ዲኻ? ስለዚ ካብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ምምልካት

ኣብዚ ገጽ፣ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር