ስራሕ የብልካን ድዩ፣ ከምኡ እውን ንመነባብሮኻ ዝኸውን እኹል ኣታዊ ወይ ኣብ ባንኪ ገንዘብ የብልካን ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ወርሓዊ ክፍሊት እዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ፣ ኣታዊ እንተዘይብልካ ወይ ንመነባብሮ እኹል እንተዘይኮይኑ እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። እዚ እትረኽቦ ከም ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ (WW) ዝኣመሰሉ ደገፋት ክትረክብ መሰል ምስ ዘይህልወካ ጥራይ እዩ።
ስራሕ ዘይብልካን፣ ገና ኣብ ኔዘርላንድ ዘይሰራሕካን ምስ እትኸውን ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ወይ ኣብ ዝሓለፉ 36 ሳምንታት (8 ኣዋርሕ) ትሕቲ 26 ሳምንታት (6 ኣዋርሕ) ዝሰራሕካ ምስ እትኸውን።
ነዞም ቅድመ-ኩነታት ምስ እተማልእ ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣለካ፡
ኣብ ኔዘርላንድ እትነብርን ኔዘርላንዳዊን ኢኻ፣ ወይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ።
ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ።
ክትነብረሉ እትኽእል እኹል ኣታዊ ወይ ንብረት የብልካን፣ ንኣብነት ንክራይ-ገዛን መግብን ዝኸውን።
ካልኦት ገንዘባዊ ደገፋት ናይ ምርካብ መሰል የብልካን።
ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣይኮንካን ዘለኻ።
ምምሕዳራት ከተማ እየን ኣብ ምምሕዳረን ንዝነብሩ ሰባት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዘዋድዳ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣምሳያ እትረኽቦ ገንዘባዊ ደገፍ ገለ ነገር ከተበርክት ኣለካ፣ ከም ወለንታዊ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምክትታል ዝኣመሰሉ።
ንገዛኻ ኣቚሑት ንኽትገብረሉ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘብ ተለቂሕካ ዲኻ? ስለዚ ልቓሕካ ክሳብ ዝምለስ፣ ካብ እትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ወርሓዊ ሓደ መጠን ገንዘብ ክቚረጽ ይኽእል እዩ።
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ቆጸራ ግበር።
ብኢንተርነት እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ
ገንዘባዊ ደገፍ ብኢንተርነት ከተመልክት ዲኻ እትመርጽ? ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል፡
ናብ www.werk.nl ኪድ፣ ኣብቲ 'uitkering' ዝብል ድማ ጠውቕ።
ኣብቲ 'Inschrijven als werkzoekende / bijstandsuitkering aanvragen' ዝብል ሰማያዊ ጠውቕ።
ብናትካ
እተው።DigiDነቲ መመልከቲ ምልኣዮ።
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ ድዩ? ስለዚ እዚ ካብታ ናብ ምምሕዳር ከተማ ዘመልከትካላ ዕለት ጀሚርካ ኢኻ እትቕበል። ናይቲ መመልከቲኻ ቅድሚ ምቕራብካ ዘሎ እዋን ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ኣይትረክብን ኢኻ። ገንዘብ ንኸይትኸስር ንምክልኻል ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣመልክት።
ኣብ