ሰበይቲ ኣፍንጫኣ ብመንዲል ትሕብስ።
ምንጪ፡ Karolina Grabowska
ዓንቀጽ

ስራሕ ምስ ዝህልወካን ምስ እትሓምምን ዘለካ መሰላት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/11/2024 3:37 ድ.ቀ.

ስራሕ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ ዝተፈላለዩ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሓደጋ ወይ ሃልኪ። ስለዚ ሽዕኡ እንደገና ናብ ስራሕ ንኽትምለስ ምስ ሓኪም-ትካል ውጥን ትገብር።

ምሕማምካ ንኣስራሒኻ ትሕብር

ኣብታ ዝሓመምካላ 1ይቲ መዓልቲ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ብዛዕባ እዚ ንኣስራሒኻ ሓብር። ኣስራሒኻ ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ከም ዝጽበየካ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውዕልካ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ኣብ ስራሕ ንኽትርከብ ትጽቢት ዝግበረልካ ኣቀዲምካ ንግሆ ናብ ሓላፊኻ ትድውል ማለት እዩ። ምሕማምካ ድሕሪ ምሕባርካ ኣስራሒኻ ነዚ ኣብ ውሽጢ 4 መዓልታት ናብ ሓኪም-ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ ክሕብር ኣለዎ። ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ምስ ዝሓምም ንኣስራሒ ዝሕግዝ ውድብ እዩ።   ምሕማምካ ኣብ እትሕብረሉ እዋን እንታይ ከም ዝኾንካ ክትነግር ግዴታ የብልካን። ኣስራሒኻ እውን ብዛዕባ እዚ ክሓትት ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣስራሒኻ መዓስ ዳግማይ ክትሰርሕ ትኽእል ኢልካ ከም እትሓስብን፣ ኣብ እዋን ሕማም ካልእ ዕማም ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ክሓትት ግን ይኽእል እዩ። 

ምስ እትሓምም ደሞዝ ትረክብ ኢኻ

እንተድኣ ሓሚምካ ደሞዝ ትረክብ ኢኻ። እዚ ደሞዝ እንተወሓደ 70 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ደሞዝካ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ደሞዝ ካብቲ ዝተሓተ-ገደብ ደሞዝ ንታሕቲ እንተኾይኑ፣ እቲ ኣስራሒ ክሳብ እቲ ብሕጊ ዝተቐመጠ ዝተሓተ-ገደብ ደሞዝ ዝመልእ ክውስኸሉ ኣለዎ። ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ ድማ እዚ ደሞዝ እንተበዝሐ ን2 ዓመት ክትረክብ ትኽእል።

ቀዋሚ ወይ ግዝያዊ ውዕል ዘለካ ምዃኑ ፍልልይ የብሉን። ብመሰረት ውዕልካ ንእትሰርሖ ንቡር ሰዓታት እዚ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዞም ሕግታት ኣብ ናይ ስራሕካ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (CAO) እውን ተጠቒሶም ይርከቡ።

ናይ 0 ሰዓት ውዕል ድዩ ዘለካ፣ ወይ ብኽፋል ግዜ ዲኻ ትሰርሕ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ እቲ ኣስራሒ እውን ካብ ደሞዝካ 70 ሚእታዊት ይኸፍለካ እዩ። መጠን ናይዚ ደሞዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት እዩ ዝምርኮስ፡

  • ንኽትሰርሖ ዝተመደበልካ ብዝሒ ሰዓታት

  • ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ነፍስወከፍ ሰሙን ዝሰርሕካዮ ማእከላይ ገምጋም ብዝሒ ሰዓታት

  • ብመሰረት ውዕልካ ክትሰርሖ ዝግብኣካ ብዝሒ ሰዓታት።

ኣስራሒኻ ብመሰረት ዘለዉ ሕግታት ንክኸፍለካን፣ እንታይ ክትረክብ መሰል ከም ዘለካ ንኸጻርይን ግዴታ ኣለዎ። ንኣብነት ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዲኻ ትሰርሕ፣ ከምኡ እውን ካብቲ ኣብ ውዕልካ ዝተጠቕሰ ብዝሒ ሰዓታት ንላዕሊ ዲኻ ትሰርሕ? ስለዚ ኣስራሒኻ ክኸፍለካ ዘለዎ ደሞዝ ብመሰረት ዝሰራሕካዮ ብዝሒ ሰዓታት ደኣ እምበር፣ ብመሰረት ኣብ ውዕልካ ዝተጠቕሰ 0 ሰዓታት ኣይኮነን።

ኣስራሒኻ ንዘለዉ ሕግታት ኣየኽብርን ድዩ? ስለዚ ሕጋዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ንነዊሕ እዋን ምስ እትሓምም ምስ ሓኪም ክትዘራረብ ኣለካ

ድሕሪ 6 ሳምንታት ገና እንተድኣ ዘይሓሸካ ምስ ሓኪም-ትካል ዝርርብ ክትገብር ኢኻ። እዚ ሓኪም ምኽንያት ሕማምካ ክምርምር እዩ። እቲ ሓኪም ምስኡ እንታይ ከም ዝተዘራረብካ ንኣስራሒኻ ክሕብሮ ኣይፍቀደሉን እዩ። እቲ ሓኪም፣ ናብ ስራሕ ንኽትምለስ እንታይ ከም ዘድልይ ምሳኻ ብሓባር ብምኻን ክርእይ እዩ።

ንስኻን ኣስራሒኻን ጸብጻብ ናይ ሓኪም-ትካል ብፖስታ ወይ ብኢ-መይል ክትቅበሉ ኢኹም። እዚ ጸብጻብ እዚ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ዝርዝር ወይ ምስቲ ሓኪም ዝተዘራረብካዮ ነገር ዝሓዘ ኣይኮነን። የግዳስ መዓስን ብኸመይን ናብ ስራሕ ክትምለስ ከም እትኽእል ምኽሪ ይህብ።

ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምሕማምካ ስራሕ ምጅማር

ምስ ሓኪም-ትካልን ኣስራሒኻን ብሓባር ብምዃን እንደገና ስራሕ ንኽትጅምር ውጥን ትገብር። እዚ ድማ ዳግመ-ውህደት ይበሃል። ንስኻን ኣስራሒኻን ነዚ ውጥን ከተኽብርዎ ኣለኩም። መጀመርታ ንፍርቂ መዓልታት፣ ብድሕሪኡ ድማ ንምሉእ ግዜ ንኽትሰርሕ እንተድኣ ተሰማሚዕኩም፣ ኣስራሒኻ ሃንደበት ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ስራሕ ክትጸንሕ ኣለካ ክብለካ ኣይክእልን እዩ። ንስኻ እውን ኣብ ሰዓትካ ስራሕ ደው ከተብል ኣለካ፣ ናብ ገዛኻ ድማ ትኸይድ።

ተመሊስካ ነቲ ቀደም ትሰርሖ ዝነበርካ ክትሰርሕ እንተዘይተኻኢሉ፣ ንኣብነት ድሕሪ ሓደጋ፣ ምስ ሓኪም-ትካልን ኣስራሒኻን ገና እንታይ ካልእ ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ብዝምልከት ትመያየጥ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር