ምንጪ፡ Dutchmen photography / Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብኸምዚ ኢኻ ሕጋዊ ደገፍ ትረክብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 18/12/2024 8:55 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል። ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ኩሉ ግዜ ብነጻ ጠበቓ ክትረክብ መሰል ኣለካ 

ኣብ ምጅማር መስርሕ ዑቕባ ጠበቓ ይምደበልካ እዩ። እቲ ጠበቓ ኣብ እዋን እቲ ምሉእ መስርሕ ክድግፈካን፣ መሰላትካን ግዴታታትካን ንኽትርዳእ ክሕግዘካን ​​እዩ ኣብኡ ዘሎ። ጠበቓኻ ብዛዕባ ሕጋዊ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ይመኽረካ፣ ሕጋዊ ሰነዳት ይዳሉው፣ ከምኡ እውን ምስ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንእትገብሮም ቃለ-መሕትታት ብግቡእ ምድላውካ የረጋግጽ። ብተወሳኺ እቲ ጠበቓ ከም ሰነዳት ወይ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝድግፉ መግለጺታት ዝኣመሰሉ ንመስርሕካ ኣገዳስነት ክህልዎም ዝኽእሉ መርትዖታት ኣብ ምእካብ ይመርሓካ። ጠበቓኻ ኣብ ክንዳኻ ምስ መንግስቲ ክራኸብን፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ሕጋዊ ምጉት ከቕርብን እውን ይኽእል። 

ካብ ናይ ዑቕባ ጠበቓ ብነጻ ደገፍ እትረኽበሎም ሕጋዊ ጉዳያት እዚኦም እዮም፡ 

  • መስርሕ ዑቕባኻ 

  • ዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝንጸግ ተቓውሞ ምቕራብ   

ነንሓድሕድኩም ብግቡእ ክትረዳድኡ ምእንቲ ክትኽእሉ፣ ናይ ዑቕባ ጠበቓ ኩሉ ግዜ ምስ ኣተርጓሚ ብምትሕብባር እዩ ዝሰርሕ።  

ከም ስደተኛ መጠን ምስ ሕጋዊ ኩነትካ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብዝምልከት ካብ VluchtelingenWerk ብነጻ ሕጋዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
፣ ከም ስደተኛ ብዛዕባ ዘጋጥሙኻ ሕጋዊ ጉዳያት ይድግፈካ እዩ። መሰላትካ ኣየኖት ምዃኖምን፣ መስርሕ ዑቕባ ብኸመይ ከም ዝካየድን ይነግሩኻ። ሕጋዊ ሕቶታት ኣብ ዝህልወካ እዋን ይመርሑኻን፣ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ንቃለ-መሕትታት የዳልዉኻን። VWN ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክተሉ እዋን እውን ይሕግዘካ። ብዛዕባ ምውህሃድ፣ መንበሪ፣ ፋይናንስን ስራሕን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ እውን ናብ VWN ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።   

ካብ VluchtelingenWerk ደገፍ እትረኽበሎም ሕጋዊ ጉዳያት እዚኦም እዮም፡

  • መስርሕ ዑቕባኻ፣ ምስ ጠበቓኻ ብምትሕብባር

  • ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት

  • መሰል ዘለካ ክነስኻ መዕቆቢ ስደተኛ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ

  • ኣብ ኔዘርላንድ ምውህሃድካ

ነንሓድሕድኩም ብግቡእ ክትረዳድኡ ምእንቲ ክትኽእሉ፣ VluchtelingenWerk ኩሉ ግዜ ምስ ኣተርጓሚ ብምትሕብባር እዩ ዝሰርሕ።  

'Het Juridisch Loket' ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጉዳያት ብነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ይህብ

'Het

Juridisch Loket'
ኣብ ዕለታዊ ህይወት ከጋጥሙኻ ብዛዕባ ዝኽእሉ ጸገማት ሕጋዊ ምኽሪ ይህብ። ብዛዕባ ስራሕ፣ ምስ ኣካራይኻ ብዛዕባ ዘለካ ጸገማት፣ ዕዳታት፣ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፋትን ከም ፍትሕ ወይ ሞግዚትነት ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ስድራ-ቤታዊ ጉዳያትን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ክሕግዙኻ ይኽእሉ። 'Het Juridisch Loket' ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታታትካን ይገልጸልካ፣ ብዛዕባ ዝበለጸ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ይመኽረካ፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብተመጣጣኒ ዋጋ ጠበቓ ናብ እትረኽበሉ የመሓላልፈካ።

'Het juridisch loket' ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ይሕግዝ። ከም ስደተኛ መጠን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ኣብ ኔዘርላንድ ሒደት ኣታዊ ስለ ዝህልወካ፣ ወይ እውን ዋላ ሓንቲ ኣታዊ ስለ ዘይብልካ፣ ከም ስደተኛ መጠን ኩሉ ግዜ ናብ 'Het juridisch loket' ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ምጒት እንተሃልዩካ ባዕልኻ ጠበቓ ክትረክብን ክትቆጽርን እውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ግን ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። 

'Het juridisch loket' ክሕግዘካ ዝኽእል ብዛዕባ እዚኦም ጉዳያት እዩ፡ 

  • ኩሎም ኣብ ዕለታዊ ህይወት ዘጋጥሙኻ ዛዕባታት 

  • እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምእንቲ ክትፈልጥ ናብ ጠበቓታት ወይ ካልኦት ሕጋዊ ውድባት ምትሕልላፍ።  

'Het Juridisch Loket' ካብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ወጻኢ ብኻልኦት ቋንቋታት እውን ሓገዝ ይህብ እዩ። ብኻልእ ቋንቋ ሓገዝ ክትረክብ እንተድኣ ትመርጽ ኮይንካ፣ ምስ 'Het Juridisch Loket' ኣብ እትራኸበሉ እዋን ብዛዕባ እዚ ሓብር።

ካብ ማእከል ሕጋዊ-ደገፍ ወይ ማእከል ሕጋዊ-ምኽሪ ብነጻ ሓበሬታን ምኽርን ክትረክብ እውን ትኽእል 

ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ ናብ ማእከል ሕጋዊ-ደገፍ ወይ ማእከል ሕጋዊ-ምኽሪ ብምኻድ ብነጻ ሕጋዊ ምኽሪን ሓበሬታን ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ማእከል ሕጋዊ-ደገፍን ማእከል ሕጋዊ-ምኽሪን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ተማሃሮ ሕጊ ዝኾኑ ወለንተኛታት እዮም ዝሰርሑ። ኣብ ከባቢኻ ማእከል ሕጋዊ-ደገፍ ወይ ማእከል ሕጋዊ-ምኽሪ ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን፣ ኣብዚ ዝስዕብ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝተዳለወ መርበብ-ሓበሬታ ክትምልከት ትኽእል ኢኻ፡ ማሕበር ማእከላት ሕጋዊ-ደገፍ ኔዘርላንድ።

 

ብዛዕባ እቲ ሕጋዊ ምኽሪ እንተድኣ ዘይዓጊብካ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል

ብዛዕባ ዝረኸብካዮ ምኽሪ ወይ ደገፍ ኣይዓገብካን ዲኻ? ወይ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ዘይተገብረልካ ኮይኑ ድዩ ዝስምዓካ? ስለዚ መጀመርታ ብዛዕባ እዚ ምስ ጠበቓኻ፣ ሰራሕተኛ ናይ VluchtelingenWerk ወይ Het Juridisch Loket ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ብሓባር ኣብ ስምምዕ ክትበጽሑ ኣይከኣልኩምን ዲኹም? ስለዚ ብድሕሪኡ ጥርዓንካ በዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር