ጥንስን ሕርስን ኣብ ኔዘርላንድ
ጥንስቲ ዲኺ? ወይ ጥንስቲ እየ ኢልኪ ትሓስቢ ዲኺ? ኣብዞም ዓንቀጻት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ሕክምናዊ ክንክን ብኸመይ ከምዝሰርሕ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። እንታይ ከተዋድዲ ከምዘለኪ ብዝምልከት እውን።
ብዛዕባ ጥንስኺ ምስ ሓኪም ተዘራረቢ።
ምንጪ፡ Pexels / Mart Production
ዓንቀጽ
ጥንስቲ እንተድኣ ኮይንኪ ምስ ሓኪምኪ ቆጸራ ግበሪ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:29 ቅ.ቀ.

ጥንስቲ ዲኺ? ስለዚ ምስ ሓኪምኪ ቆጸራ ግበሪ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ብሓባር ትመያየጡ። ከምኡ እውን እቲ ሓኪም ግቡእ ክንክን ናብ እትረኽብሉ ክመሓላልፈኪ እዩ። ንኣብነት ናብ ስነ-መወልዳን። ነዚ ብዝምልከት ኣብዚ ገጽ ዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጥንስቲ እንተድኣ ኮይንኪ ምስ ሓኪምኪ ቆጸራ ግበሪ

እቲ መርመራ ጥንስቲ ምዃንኪ እንተድኣ ሓቢሩ ምስ ሓኪምኪ ቆጸራ ግበሪ። ዋላ ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ጥርጣረታት ምስ ዝህልወኪ እውን ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። እንተድኣ ብርግጽ ጠኒስኪ ኮይንኪ፣ ሕጂ እንታይ ከም ዘድልየኪ ምስ ሓኪምኪ ተዘራረቢ። ብዝኾነ 2 ምርጫታት ኣለዉኺ፡ 

  • ክትጠንሲ ባህግኺ እዩ፣ ቆልዓ ክትወልዲ ድማ ትደልዪ ኢኺ።

  • ዘይሓሰብክዮ ኢኺ ጠኒስኪ፣ ስለዚ ድማ ነቲ ጥንሲ ከተቋርጽዮ ትደልዪ ኢኺ።

ብዛዕባ ጥንስኺ ርግጸኛ ምስ ዘይትኾኒ

እቲ ዝበለጸ ውሳኔ እንታይ ምዃኑ ዘይፈለጥክዮ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዘድልየኪ ወይ ዝኾነ ጥርጣረ ምስ ዝህልወኪ፣ ምስ ሓኪምኪ ክትመያየጢ ትኽእሊ ኢኺ። ድሕሪ እቲ ዝርርብ ገና ርግጸኛ እንተድኣ ዘይኮንኪ ድማ እንደገና ምስ ሓኪምኪ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ምስ ሓኪምኪ ክትመያየጢ እንተድኣ ዘይትደልዪ ኮይንኪ፣ ምስ ፍሉይ ክሊኒክ ብስም-ኣልቦ ማለት ስምኪ ከይጠቐስኪ ቆጸራ ክትሕዚ እውን ትኽእሊ ኢኻ። ኣብኡ ድማ መጀመርታ ምስ ሓደ ቅኑዕ ምርጫ ንኽትገብሪ ክሕግዘኪ ዝኽእል ዶክተር ትዘራረቢ።

እቲ ሓኪምኪን እቲ ኣብቲ ክሊኒክ ዝርከብ ዶክተርን፣ ንምስጢራዊ ሓበሬታኺ ንኻልኦት ከካፍሉ ዘይፍቀደሎም ምዃኑ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። እዚ ድማ 'ሞያዊ ምዕቃብ ምስጢር' ይበሃል።

ነቲ ጥንሲ ከተቋርጽዮ ምስ እትደልዪ

ነቲ ጥንሲ ከተቋርጽዮ እንተድኣ መሪጽኪ፣ ሕክምና ንምግባር ውጥን ትገብሪ። ነቲ ጥንሲ ንምቚራጽ ሓያሎ ኣማራጺታት ኣለዉ። ኣየናይ ኣማራጺ ምስ ኩነትኪ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕ ድማ ምስ ሓኪምኪ ትመያየጢ።

ኹሎም ዘለዉ ኣማራጺታት ኣብ ኔዘርላንድ ሕጋውን ውሕስነት ዘለዎምን እዮም። እቶም ሕክምናታት፣ ኣብ ዳሕራይ ግዜ ክትጠንሲን ቆልዓ ክትወልዲን ምስ እትደልዪ እውን ንዓኺ ኣሉታዊ ሳዕቤናት የብሎምን።

እቲ ዕሸል ካብ ኣካል ወጻኢ ብህይወት ክነብር ክሳብ ዝኽእለሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥንስኺ ንምቚራጽ ይፍቀድ እዩ። እዚ ማለት ድማ ክሳብ መበል 24 ሰሙን ናይ ጥንሲ ኣብ ዘሎ ግዜ ምንጻል ጥንሲ ይፍቀድ ማለት እዩ። ካብኡ ድሒርካ ዝግበር ምቚራጽ ጥንስኺ ዝከኣል ኣዝዩ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ዝህሉው ጥራይ እዩ።

Zanzu፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥንሲ ብቋንቋኺ
ብዛዕባ ዘይተሓሰበ ጥንሲ ዝያዳ ሓበሬታ ትደልዪ ዲኺ? ምናልባት ጥንስኺ ከተቋርጽዮ ምስ እትደልዪ ድማ ብኸመይ ከምዝካየድ ብዝምልከት እውን? ብዛዕባኡ ኣብ Zanzu ዝያዳ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ጥንስኺ ክትቅጽልዮ ምስ እትደልዪ በዓል-ሞያ ስነ-መወልዳን ክትረኽቢ ኢኺ

ቆልዓ ክትወልዲ ከም እትደልዪ እንተድኣ ወሲንኪ፣ ሓኪምኪ ንዓኺን ምናልባት እውን ንመጻምድትኺን በዓል-ሞያ ስነ-መወልዳን ኣብ ምርካብ ክድግፈኩም ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ጥንሲ ግቡእ ክንክንን ምርሒትን ንምርካብ ብቕልጡፍ ምስ በዓል-ሞያ ስነ-መወልዳን ርክብ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?