ኣብ ኔዘርላንድ ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ምጅማር

ኣብ ኔዘርላንድ ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከምኡ ከም እትገብር ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምንጪ፡ Rein van Zanen
ዓንቀጽ

ኣብ ቤት-ምኽሪ ንግዲ ትምዝገብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:26 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ክትጅምር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ቤት-ምኽሪ ንግዲ (KvK) ከም ወናኒ ትካል ክትምዝገብ ኣለካ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ከም በዓል ዋኒን ተመዝገብ

ከም ወናኒ ትካል ሙሉእ ግዜ ክትሰርሕ እንተድኣ ደሊኻ፣ ኣብ

መዝገብ ንግዲ
ናይ
ቤት-ምኽሪ ንግዲ (KvK)
ክትምዝገብ ግዴታ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ እዚ ዝስዕብ የድልየካ፡

  • ካብ

    ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
    ዝተረኽበ መረጋገጺ መንበሪ ፍቓድ

  • ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)

  • DigiD

ኣስተውዕል፡ ድሮ ኣብ መበቆል ሃገርካ ንግዲ እንተድኣ ዘለካ ኮይንካን፣ ክትቅጽሎ እንተድኣ ደሊኻን፣ ሕጂ እውን ኣብ ቤት-ምኽሪ ንግዲ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ናይቲ ትካል ኦርጅናል ሰነዳት ከድልየካ እዩ።

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት
ኣብዚ ገጽ ብኸመይ DigiD ከም እተመልክት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንትካልካ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ኣድራሻ ተመዝግብ

ኣብ ኔዘርላንድ ንግዲ ክትገብር ንኽትክእል ኣብ ኔዘርላንድ ኣድራሻ ክህልወካ የድልይ። ናይ ቤት-ጽሕፈት ኣድራሻ የብልካን ድዩ? ስለዚ ናይ ገዛኻ ኣድራሻ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻኻ ድማ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ KvK ብግልጺ ንህዝቢ ይዝርጋሕ። ስለዚ ትካልካ ዝደልዩ ሰባት ንኣድራሻ ናይ ትካልካ እውን ብኢንተርነት ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።

ገና ኣብ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ስለዚ ትካልካ ኣብዚ ኣድራሻ ከተመዝግቦ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ምስቲ እትነብረሉ ቦታ ክትመያየጥ ኣለካ።

ምስ ቤት-ምኽሪ ንግዲ ቆጸራ ግበር

DigiD እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ናይ KvK ምዝገባኻ ብዝምልከት ብኢንተርነት ከተዳልውን፣ ከምኡ እውን ናብ KvK ንምኻድ ቆጸራ ክትሕዝን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን እቲ ምስ KvK ዘለካ ቆጸራ፣ ሰራሕተኛ ናይ KvK ንምዝገባኻ ክዛዝሞ እዩ። ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚርካ ድማ ከም ወናኒ ትካል ምዝጉብ ኢኻ፣ ከምኡ እውን ትካልካ ምክያድ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ኣብ KvK ንምምዝጋብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቤት-ምኽሪ ንግዲ
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ቤት-ምኽሪ ንግዲ ከም ወናኒ ትካል ተመዝገብ።
ምኽሪ ንምርካብ ናብ ቤት-ምኽሪ ንግዲ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ

ምሕንጻጽ ውጥን ንግዲ፣ ኣማራጺታት ፋይናንስን ከም ወናኒ ትካል ዘለዉኻ ሕጋዊ ግዴታታትን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ምኽርን ሓበሬታን ንምርካብ ምስ KvK ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

KvK ኣብ ኔዘርላንድ ትካል ምክያድ ብዝምልከት እውን ስልጠናታት ይህብ እዩ። ኣብ KvK ተመዝጊብካ እትርከብ ምስ እትኸውን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ብነጻ ክትጥቀሙሉ ትኽእል ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?