መስርሕ ዶብ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ምስ በጻሕካ ዑቕባ ምሕታት

ብነፋሪት ወይ ብመርከብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ናብ ኔዘርላንድ ንኽትኣቱው ዘኽእል ቪዛ ድማ የብልካን ድዩ? ስለዚ ብመንገዲ መስርሕ ዶብ ኢኻ ዑቕባ እተመልክት። እዚ ከምዚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገና ብወግዒ ኣብ ኔዘርላንድ ስለዘየለኻ እዩ። እዚ መስርሕ ዑቕባ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ኣንብብ።
ምንጪ፡ IND
ዜና

ኣብ ስኺፖል ኣብ ዝካየድ መስርሕ ዑቕባ 2ይ ቃለ-መሕትት ምስ IND

ዝተሓትመሉ ኣብ: 14/5/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ምስ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) 2ይ ቃለ-መሕትት ኣለካ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣገዳሲ ቃለ-መሕትት እዩ። ነዚ ቃለ-መሕትት ምስ ጠበቓኻ ተዳሊኻሉ ኣለኻ። ኣብዚ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብዝርዝር ትገልጽ።

ኣብ ስኺፖል ዝካየድ መስርሕ ዑቕባ ካብ 2ይ ቃለ-መሕትት ጀሚሩ ካልእ 6 መዓልታት ይወስድ

ሕጂ ኣብ ስኺፖል ምስ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ክትገብር ኢኻ። እዚ 2ይ ቃለ-መሕትት ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ቃለ-መሕትት እዩ። ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብዝርዝር ትገልጽ። IND ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክሳብ ዝውስን ድማ ካብዚ 2ይ ቃለ-መሕትት ጀሚሩ ተወሳኺ 6 መዓልታት ይወስድ።

ን2ይ ቃለ-መሕትት ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
  • ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ሰራሕተኛ ናይ IND ብዛዕባ ምኽንያታት መህደሚኻ ሕቶታት ክሓተካ እዩ።

  • ኣብ መልስታትካ ምርኲስ ብምግባር ሰራሕተኛ ናይ IND ሕቶታት ምሕታት ይቕጽል።

  • እንተደሊኻ ልክዕ ከም ናትካ ጾታ ብዘለዎ ሰራሕተኛ ናይ IND ቃለ-መሕትት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሰራሕተኛ ናይ IND ብዛዕባ እዚ ኣብ እዋን 1ይ ቃለ-መሕትት ክሓተካ እዩ።

  • ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብቕንዕና፣ ብዝርዝርን ብንጹርን ንገር።

  • ስለምንታይ ንዓኻ ብውልቂ ዑቕባ ከም ዘድልየካ ግለጽ። IND ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ንምንታይ ብውልቂ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ክትገልጽ ኣገዳሲ እዩ።

  • ሓደ-ሓደ ግዜ ብዛዕባ ህድማኻ ንኽትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ። ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክትዛረብ እንተድኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ ብዛዕብኡ ብንጹር ንIND ንገር። ንሓደ ነገር ደጊም ዘይትዝክሮ እንተድኣ ኮይንካ እውን።

  • ምስ ህድማኻ ዝተኣሳሰሩ በሰላታት፣ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥርዓናት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ንገር። IND ሕክምናዊ መርመራ ንኽትገብር ከቕርበልካ ይኽእል እዩ።

  • እንተደሊኻ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ናይ

    VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
    ኣብቲ ቃለ-መሕትት ክርከብ ይኽእል እዩ። VWN ክድግፈካን ጸብጻብ ናይቲ ቃለ-መሕትት ከዳሉውን እዩ። VWN ምናልባት ካብቲ ናይ IND ዝፍለይ ሓበሬታ ጽሒፉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ሓበሬታ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉን ይግባይ ክትብል ምስ እትደልይን ድማ፣ ነቲ ጸብጻብ ናይ VWN ኣብቲ ይግባይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

  • IND ናይቲ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ። ድሕሪ እቲ ቃለ-መሕትት ኣብ ዘሎ መዓልቲ ድማ ንስኻን ጠበቓኻን ብዛዕባ እቲ ናይ IND ጸብጻብ ትዘራረቡ። ኣብቲ ናይ IND ጸብጻብ ሓበሬታ እንተድኣ ጎዲሉ ወይ ቅኑዕ ምስ ዘይከውን ንጠበቓኻ ንገር።

ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

ካብ 2ይ ቃለ-መሕትት ጀሚሩ 6 መዓልታት ብኸምዚ ይሓልፉ
  • 1ይ መዓልቲ፡ ምስ IND 2ይ ቃለ-መሕትት ትገብር

  • 2ይ መዓልቲ፡ ብዛዕባ 2ይ ቃለ-መሕትት ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ ጠበቓኻ ነቲ IND ዘዳለዎ ጸብጻብ ናይ 2ይ ቃለ-መሕትት ምሳኻ ክዘራረበሉ እዩ። ኣብዚ ዝርርብ እውን ኣተርጓሚ ንኹሉ እቲ ንስኻን ጠበቓኻን እትብልዎ ኣብ ምትርጓም ክሕግዘኩም እዩ። ኣብቲ ጸብጻብ ዝጎደለ ነገር ምስ ዝህሉው ወይ ቅኑዕ ምስ ዘይጸሓፍ ድማ ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ንIND ይነግር።

  • 3ይ መዓልቲ፡ IND 1ይ ውሳኔ ይወስድ IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይግምግም። 3 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡ ምጽዳቕ፣ ምንጻግ ወይ ተወሳኺ ግዜ የድልይ።

  • 4ይ መዓልቲ፡ ጠበቓኻ ንቀዳማይ ውሳኔ ናይ IND መልሲ ይህብ IND ንዘመለከትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ውጥን ምስ ዝህልዎ፣ ብዛዕባ እዚ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ብድሕሪኡ ጠበቓኻ ንቀዳማይ ውሳኔ ናይ IND ብደብዳቤ መልሲ ክህበሉ ይኽእል። ኣብዚ ደብዳቤ ድማ ስለምንታይ ምስዚ ውሳኔ ከም ዘይትሰማማዕ ትገልጽ።

  • 5ን 6ን መዓልቲ፡ ናይ መወዳእታ ውሳኔ IND ሕጂ IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብውዱእ ይግምግም። 3 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡ ምጽዳቕ፣ ምንጻግ ወይ ተወሳኺ ግዜ የድልይ።

IND ዝያዳ ግዜ እንተድኣ ዘድልዮ ኮይኑ፣ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ

ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA)
ምምስራሕ ክቕጽሎ እዩ። እዚ መስርሕ ኣብ (ክፉት) መዕቆቢ ቦታ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ናብ ዘይዕጹው መዕቆቢ ቦታ ትሰጋገር። ናይ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝወሃብ ውሳኔ ድማ ድሒሩ ክስዕብ እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?