ንእሽቶ ጻዕዳ ኣውቶቡስ ብዶብ ኔዘርላንድ ትሰግር።
ምንጪ፡ Shutterstock / Posteriori
ዜና

ኔዘርላንድ ንግዚኡ ቚጽጽር ዶባት ክትገብር እያ፡ እዚ ክትፈልጥ ኣለካ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 9/12/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኔዘርላንድ ንግዚኡ ናይ ዶባት ቚጽጽር ክትገብር እያ። እዚ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ። በዚ መንግስቲ ብዘይ ሕጋዊ ቪዛ ናብ ኔዘርላንድ ዝኣትዉ ሰባት ሒደት ከምዝኾኑ ከረጋግጽን፣ ኣህጉራዊ ገበናት ክምክትን ይደልይ።

ኔዘርላንድ ካብ 9 ታሕሳስ 2024 ጀሚራ ግዝያዊ ቚጽጽር ዶባት ክትጅምር እያ። እዚ ቚጽጽር ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲን፣ ኣብ ዶባት ጀርመንን በልጅዩምን እዩ ክካየድ። ነፍስወከፍ ብመኪና፣ ብባቡር ወይ ብነፋሪት ናብ ኔዘርላንድ ዝገይሽ ሰብ ቚጽጽር ክግበረሉ ይኽእል እዩ። ነቲ ቚጽጽር ዝፍጽም ድማ

Koninklijke Marechaussee (KMar)
እዩ።

ከም ልምዲ ኣብ መንጎ ኔዘርላንድ፣ ጀርመንን በልጅዩምን ቚጽጽር ዶባት ዳርጋ የለን፣ ምኽንያቱ እዘን ሃገራት ኣካል

ከባቢ ሸንገን
ስለዝኾና። ኣብዚ ከባቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ቚጽጽር ፓስፖርት ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። እቲ ግዝያዊ ቚጽጽር ዶባት ብመሰረት ሕግታት ኤውሮጳ ዝፍቀድ፣ እቲ ቚጽጽር ግዝያዊ እንተኾይኑ እዩ። እቲ ቚጽጽር ካብ 9 ታሕሳስ 2024 ክሳብ 8 ሰነ 2025 ክጸንሕ እዩ። ኔዘርላንድ ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣ ረኺባቶ ድማ እዚ ክናዋሕ ይኽእል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዶባት ክቆጻጸሩ ዝኽእሉ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት እዮም ዘለዉ

ዝኾነ ዶብ ዝሰግር ሰብ ካብ ሰኑይ 9 ታሕሳስ ጀሚሩ ቚጽጽር ክግበረሉ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ምናልባት ገና ንግዚኡ ብዙሕ ኣይክቕየርን እዩ። ብሰንኪ ኣብ KMar ዘሎ ሕጽረት ሰራሕተኛታት፣ ብፍላይ ኣብ 5 ካብቶም ልዕሊ 840 መስገሪ ዶባት እዩ ቚጽጽር ክካየድ። እዚ ማለት ምናልባት ብዙሓት ሰባት ቚጽጽር ከምዘሎ ዘየስተብህልሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። 

ብሓደ ቚጽጽር ዶብ ክትሓልፍ እንከለኻ፣ እዚ ዝስዕብ ከተስተብህል ትኽእል፡

  • ብመኪና ክትጓዓዝ እንለኻ፡ መካይን ኣብ ፍሉያት ነቑጣታት ጽርግያ ቚጽጽር ክግበረለን ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ቚጽጽር ድማ ምድንጓያት ክህሉው ይኽእል።

  • ብባቡር ክትጓዓዝ እንከለኻ፡ KMar ኣብ ኣህጉራዊያን ባቡራት ቚጽጽር ክገብረልካ ይኽእል እዩ፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኮፍ ኢልካ እንከለኻ እውን።

  • ብነፋሪት ትጓዓዝ እንተድኣ ኮይንካ፡ ኔዘርላንድ፣ ሕጋዊ ቪዛ ዘይብሎም ወይ ገበናዊነት ዝርከቦም ተጓዓዝቲ ክመጽኡለን ልዑል ስግኣት ኣሎ ኢላ ካብ እትሓስበን ሃገራት ዝግበሩ በረራታት ኣብ ዝዓርፉሉ እዋን ቚጽጽር ይፍጸም እዩ።

ዋላ እኳ ቚጽጽር ዶባት እንተሃለወ፣ ገና ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል

ዑቕባ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ዶብ ቚጽጽር ተገይሩልካ ድዩ? ስለዚ ኣብ እዋን ቚጽጽር፣ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ሓብር። KMar ድማ መመልከቲኻ ከተቕርበሉ ናብ እትኽእል፣ ሓደ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ መዕቆቢ ማእከል ክወስደካ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ኣብ እትርከብ ካልእ ሃገር ድሮ ዑቕባ ሓቲትካ ኣለኻ ዲኻ? ስለዚ ኔዘርላንድ ነዚ ክትምርምሮ እያ። ብመሰረት ሕግታት

ደንቢ ዱብሊን
፣ እታ ድሮ ተመዝጊብካላ ዘለኻ ሃገር እያ ናይ መመልከቲኻ ሓላፍነት እትወስድ።

ከም ዩክሬናዊ ስደተኛ መጠን ቅኑዓት ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምሳኻ ክትሕዝ ኣለካ

ካብ ዩክሬን ዲኻ መጺእካ፣ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ቅኑዓት ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምሳኻ ምሓዝካ ኣረጋግጽ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ፓስፖርትኻ እዩ። ናብ ኔዘርላንድ ኣብ እትምለሰሉ እዋን እውን ቅኑዓት ሰነዳት ከምዘድልዩኻ ኣስተውዕል።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ክትጓዓዝ ዲኻ፣ 1 ወላዲ ወይ ሞግዚት ድማ ምሳኻ ኣይጓዓዝን ድዩ? ስለዚ ካብቲ ምሳኻ ዘይጓዓዝ ወላዲ ወይ ሞግዚት ፍቓድ ክትረክብ የድልየካ እዩ። ብዛዕባ እዚ ንውላድካ ከተዋድደሉ እትኽእል ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከተውርድ ትኽእል ኢኻ።

ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ሒዝካ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምጒዓዝ ዝኸውን ቅጥዒ

ምስ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ጥራይ ናብ ኔዘርላንድ ክትመጽእ ምስ እትደልይ ከተውርዶ እትኽእል ቅጥዒ ኣብዚ ገጽ ክትረክብ ኢኻ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር