ቀንዲ ህንጻ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን
ምንጪ፡ Nina Alizada
ዜና

ኣብዚ ብነጻ ዝወሃብ ስልጠና ቋንቋ ኔዘርላንድ ተሳተፍ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 14/11/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ቋንቋ ኔዘርላንድ ንኽትመሃር፣ ብኢንተርነት ዝወሃብ ነጻ ስልጠና ከም ብሓድሽ የቕርብ ኣሎ። እቲ ስልጠና ንዝኾነ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃር ዝደልይ ሰብ ዝዓለመ እዩ። ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይትዛረብ፣ ግን ድማ ቋንቋ እንግሊዝ ትዛረብ እንተድኣ ኮይንካ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ስልጠና ንዝኾነ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረብ ሰብ ዝዓለመ እዩ

እቲ ንጀመርቲ ዝኸውን ስልጠና ቋንቋ ኔዘርላንድ 3 ሳምንታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ንነፍስወከፍ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃር ዝደልይ ሰብ ዝዓለመ እዩ። ንኽትጅምር ፍልጠት ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣየድልየካን እዩ፣ ቋንቋ እንግሊዝ እትዛረብ ክትከውን ግን ኣለካ። እቲ ስልጠና ብኢንተርነት ኢኻ እትከታተሎ። ነቲ ስልጠና ንምክትታልን ንምጽናዕን ድማ ኣብ ሰሙን ኣስታት 3 ሰዓታት የድልየካ።

ኣብቲ ስልጠና መሰረታዊ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃር

ኣብቲ ስልጠና ነዚ ዝስዕብ ክትመሃር ኢኻ፡ 

  • ሓጸርቲ ምሉኣት-ሓሳባት ቋንቋ ኔዘርላንድ

  • ሓደስቲ ቃላት

  • ዓይነታት ሰላምታ

  • ቁጽሪታት

  • ኣጸሓሕፋን ሰዋስውን

ብዛዕባ ባህሊ ኔዘርላንድ እውን ገለ ክትመሃር ኢኻ። ኣብ እዋን ትምህርቲ ብዛዕባ ምንባርን ህይወትን ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ እትመሃረሎም ሓጸርቲ ፊልምታት ድማ ክትዕዘብ ኢኻ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ዓመት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ

ነቲ ስልጠና ክትጅምረሎም እትኽእል ዕለታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ 

  • 18 ሕዳር 2024 

  • 25 ለካቲት 2025 

  • 11 ነሓሰ 2025 

  • 17 ሕዳር 2025 

ነቲ ስልጠና ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ተመዝገብ

ነቲ ስልጠና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ፣ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ክትረክብ ኢኻ። ኣብኡ እውን ነቲ ስልጠና ንምክትታል ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር