ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔዘርላንድ ዲክ ስኾፍ።
ምንጪ፡ Wikimedia Commons
ዜና

መንግስቲ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ጽኑዓት ውጥናት ዑቕባ ኣብ 'መዓልቲ ልዑል' ዝያዳ መብርሂ ሂቡ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 17/9/2024 12:00 ቅ.ቀ.

መንግስቲ ኔዘርላንድ ብዓርቢ 13 መስከረም 2024 ንዑቕባ ዝምልከቱ ውጥናቱ ዝያዳ ብልክዕ ኣቕሪቡ፣ ኣብ 'መዓልቲ ልዑል' ድማ ናይ ውጥናቱ ዝያዳ መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ድሮ ሓፈሻዊ ውጥናት ብዝምልከት ኣካፊሉ ነይሩ እዩ። መንግስቲ ሕጂ ኣየኖት ዝያዳ ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባን ፍልሰትን ከተኣታቱው ከም ዝደልይ ዝያዳ ብልክዕ ገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ፍሉይ መሰል ተጠቒሙ ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ከተኣታቱው ይደልይ

ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰት፣ ከምኡ እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሕጊ ህጹጽ ኩነት ተጠቒሞም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ቅልውላው ዑቕባ ክእውጁ ይደልዩ ኣለዉ። እዚ መንግስቲ ከም ኲናት ዝኣመሰለ ህጹጽ ኩነት ምስ ዘጋጥም ክጥቀመሉ ዝኽእል ፍሉይ መሰል እዩ። ሕጂ ዋሕዚ ሓተትቲ ዑቕባ ንምንካይ፣ ብቕጽበት ጽኑዓት ስጉምትታት ከተኣታትዉ ምእንቲ ክኽእሉ ነዚ መሰል ክጥቐሙ ይደልዩ ኣለዉ። ከምኡ ምስ ዝኸውን እዞም ስጉምትታት መጀመርታ ብ1ይን 2ይን ባይቶ ብኣብዝሓ ድምጺ ምጽዳቕ ኣየድልዮምን እዩ።

እዚ ምናልባት ኣብ ከባቢ ሓደ ፍሉይ ፖለቲካዊ ዕለት ኔዘርላንድ ክኸውን ይኽእል እዩ

መንግስቲ ኔዘርላንድ ነቲ ቅልውላው ዑቕባ ኣብ ሰሉስ 17 መስከረም 2024 ኣብ ዝኽበር 'መዓልቲ ልዑል' ወይ ብድሕሪኡ ክእውጅ እዩ ዝደልይ። 'መዓልቲ ልዑል' ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ 3ይቲ ሰሉስ ናይ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ኮይኑ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣገዳሲት መዓልቲ እያ። ኣብዛ መዓልቲ መንግስቲ ናይ ዝመጽእ ዓመት ውጥናቱ ብመንገዲ ንጉስ የቕርብ። ንጉስ ድማ ካብ ዝፋኑ መደረ የስምዕ፣ ከምኡ እውን ካቢነ ሚኒስተራት ንዝመጽእ ዓመት ዝሓንጸጾም ኣገደስቲ ውጥናት እንታይ ምዃኖም ይነግር። ብምቕጻል ሚኒስተር ፋይናንስ፣ ፋይናንሳዊ ውጥናት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የርእይ። እዞም ውጥናት መንግስቲ ኣብ ምንታይ ገንዘብ ከውጽእን ክቚጥብን ከም ዘይደልይ ዝገልጹ እዮም።

ቅልውላው ዑቕባ ክእወጅ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ክግምግም እዩ

ከም ንቡር ኣሰራርሓ ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ብዝምልከት፣ ኣብዝሓ ናይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰኔትን ፍቓድ ክህቡ ነይርዎም። እንተኾነ ግን ሕጊ ህጹጽ ኩነት ብሰንኪ ምጥቃሙ፣ መንግስቲ ካብ ክልቲኡ ባይቶታት ምጽዳቕ ምጽባይ ኣየድልዮን እዩ። ስለዚ መንግስቲ ነዞም ሕግታት ድሮ ኣቀዲሙ ከተግብሮም ስለ ዝኽእል ብድሕሪኡ ፍቓድ ምሕታት ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ብመሰረት ጸብጻብ NOS እዚ ብዙሕ ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።

ሓያሎ ክኢላታት፡ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ብኸምዚ ኣገባብ ክጥቀመሉ ኣይፍቀደሉን እዩ ይብሉ። መንግስቲ ነዚ ሕጊ ህጹጽ ኩነት ብግቡእ ይጥቀመሉ ምህላዉን ዘይምህላዉን ድማ
ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ (RvS)
ክግምግም ኣለዎ።

መንግስቲ ቅልውላው ዑቕባ ክእውጅ እንከሎ ነዚኦም ጽኑዓት ሕግታት ከተኣታቱው ይደልይ

  • መንግስቲ ንግዚኡ ብዛዕባ ሓደስቲ ሕቶታት ዑቕባ ውሳኔ ክህብ ኣይደልይን እዩ። እዚ ማለት ዑቕባ ንምርካብ ዘመልክቱ ሰባት፣ ናይ መመልከቲኦም ውሳኔ ክሳብ ዝውሰድ ኣዝዩ ነዊሕ ክጽበዩ ኣለዎም ማለት እዩ። 

  • መንግስቲ ንሕጊ ምምቕራሕ ክስርዞ ይደልይ። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ብኸመይ ከም ዝዋደድ ዝመርሕ ሕጊ እዩ። እዚ ማለት ድማ ​​መዕቆቢ ቦታታት ሒደት ይኾኑ ማለት እዩ። 

  • መንግስቲ ዝቀደመ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ እንተድኣ ተነጺጉ፣ እተቕርቦ 2ይ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ዝያዳ ብጽኑዕ ክግምግሞ ይደልይ። 

  • መንግስቲ ምስ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ ዘለዎም ቆጸራ ናይ ዘይርከቡ ሰባት መመልከቲ ዑቕባ ክነጽግ ይደልይ።

  • መንግስቲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክውሕድ እዩ ዝደልይ። ነዚ ድማ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ድሕሪ 2 ዓመት ጥራይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ ብምግባር ከዋድዶ ይደልይ። 

  • መንግስቲ ናይ 5 ዓመት መንበሪ ፍቓድካ ግዚኡ እንተድኣ ወዲቚ፣ ደጊም ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክህበካ ኣይደልይን እዩ። ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ 5 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝጸናሕካ እውን እንተኾንካ፣ መበቆል ሃገርካ ዳግማይ ውሑስ ምስ ኮነ ቀልጢፍካ ናብኡ ክትምለስ ኣለካ።

  • መንግስቲ ገሊኦም ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ መሰላት ከም ዝህልዎም ዝገብር ስርዓት ክተኣታቱው ይደልይ። 

  • መንግስቲ ንመዕቆቢ ዝምልከቱ ሕግታት ዝያዳ ጽኑዓት ከምዝኾኑ ክገብር ይደልይ።

እቶም ውጥናት ክተኣታተዉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብልክዕ መዓስን ንጹር ኣይኮነን

ሕጂ መንግስቲ ዝያዳ ንጹራት ዝኾኑ ውጥናት ኣፍሊጡ ኣሎ። እንተኾነ ግን እዞም ሕግታት ገና ተግባራዊ ኣይኮኑን ዘለዉ። ቀዳማይ ሚኒስትር፣ መንግስቲ ውጥናት ዑቕባ ንምትግባር ግዜ ከምዘድልዮ ኣብ 'መዓልቲ ልዑል' ገሊጹ ኣሎ። እዞም ሕግታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብኸመይን ክሳብ እንፈልጥ፣ ገና ካብ ሒደት ሳምንታት ክሳብ ሒደት ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር