
ክረምታዊ ዕረፍቲ ዳርጋ ክጅምር እዩ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን፣ ብክረምታዊ ንጥፈታት ናይ ምዝንጋዕ ግዜ
ክረምታዊ ዕረፍቲ ዳርጋ ክጅምር እዩ። እዚ ማለት ቆልዑት ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም ማለት እዩ። ሕጂ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ህድኣት ክህሉው እዩ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ዘዘናግዑ ንጥፈታት ድማ ኣለዉ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ክረምታዊ ዕረፍቲ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት ክትረክብ ኢኻ።
ክረምታዊ ዕረፍቲ ብዝምልከት ኔዘርላንድ ኣብ 3 ዞባታት ትኽፈል
መንግስቲ፣ ናይ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ ብዝምልከት ንኔዘርላንድ ኣብ 3 ዞባታት ይኸፍላ፡ ሰሜን፣ ማእከልን ደቡብን። እዚ ምክፍፋል፣ ኣብ እዋን ህቡባት ናይ ምዝንጋዕ መገሻታት ጻዕቂ ተሽከርከርቲን ጽቕጥቕጥን ንምንካይ ዝዓለመ እዩ። ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዕለታት እዩ ዝጅምርን ዝውዳእን።
ደቡብ-ኔዘርላንድ 1ይቲ ክምረታዊ ዕረፍቲ ዘለዋ እያ፡ ካብ 5 ሓምለ ክሳብ 17 ነሓሰ። ኣውራጃታት ሊምቡርኽ፣ ኖርድ-ብራባንትን ዚላንድን ድማ ኣካላት ናይዚ ዞባ እየን።
ሰሜን-ኔዘርላንድ ካብ 12 ሓምለ ክሳብ ክሳብ 24 ነሓሰ ብምግባር ትስዕብ። ኣውራጃታት ፍሪስላንድ፣ ኽሮኒንገን፣ ድረንተ፣ ፍሌቮላንድ፣ ሰሜን-ሆላንድን ኦቨራይሰልን ድማ ኣካላት ናይዚ ዞባ እየን።
ማእከል-ኔዘርላንድ ድማ ካብ ዓርቢ 19 ሓምለ ክሳብ 31 ነሓሰ ክረምታዊ ዕረፍቲ ዝህልዋ ናይ መወዳእታ ዞባ ክትከውን እያ። ኣውራጃታት ዛውድ-ሆላንድ፣ ኡትረኽትን ኸልደርላንድን ኣካላት ናይዚ ዞባ እየን።
ደቅኹም ኣብ እዋን ክምረታዊ ዕረፍቲ ነጻ እዮም
ናይ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ዕጹዋት እየን፣ ደቅኻ ድማ ነጻ እዮም፣ እንተኾነ ግን ንስኻን መጻምድትኻን ስራሕ ክትቕጽሉ ዘለኩም ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ባዕላቶም እዮም ደቆም ዝጸንሕሉ መውዓሊ ዘዋድዱ፣ እዚ ድማ ብዘይ በጽሒታት ንበይኖም ኣብ ገዛ ምእንቲ ከይኮኑ እዩ።
ክትሰርሕ ዘለካን ንደቅኻ ክትሕዞም ዘይትኽእልን እንተድኣ ኮይንካ፣ መውዓሊ ሕጻናት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ፡
ውላድካ ናብ መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ (BSO) ክኸይድ ይኽእል
መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ (BSO) ካብ 4 ክሳብ 13 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ካብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ወጻኢ መውዓሊ የቕርብ። ብዙሓት ናይ ድሕረ-ትምህርቲ መውዓሊ ቦታታት፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ተዓጽዋ ዝኸውን ናይ ክረምቲ ሰሌዳ-ግዜ ኣለወን። ዕረፍቲ ስለዝኾነ ድማ ንቆልዑት ተወሳኺ መዘናግዒ ይገብሩሎም።
መብዛሕትኡ ግዜ ንውላድካ ኣብ ሰሙን ሓያሎ መዓልታት ናብዚ ክትወስዶ ይከኣል እዩ። ዋላ ውላድካ ንቡር መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ (BSO) ዘይጥቀም ምስ ዝኸውን እውን። ዝተፈላለዩ ዓይነታት መውዓሊ ድሕረ-ትምህርቲ ብዝምልከት ንቤት-ትምህርቲ ናይ ደቅኻ ሕተት። BSO ገንዘብ ይሓትት እዩ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ እዚ ኣበላት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ንደቅኻ ኣላዪት ሕጻናት ክትቆጽር ትኽእል ኢኻ
ብርግጽ ውላድካ ሓሓሊፉ ኣብኡ ሓንቲ መዓልቲ ከሕልፍ ዝኽእል እንተኾነ ንኣዕሩኽትኻ/መሓዙትካ ወይ ንፈለጥትኻ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን ኣላዪት ሕጻናት ንኽትቖጽር ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣብቲ ከባቢ ንፍዕቲ ኣላዪት ሕጻናት ዝፈልጡ ካልኦት ወለዲ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ኣላዪት ሕጻናት ምግባር ገንዘብ ይሓትት እዩ። እዚ ክንደይ ምዃኑ ኣብ ዕድመ ናይታ ኣላዪት ሕጻናት፣ ክትመጽኣሉ ዘለዋ ግዜን፣ ኣብ ንጥፈታት ናይቲ ስራሕን እዩ ዝምርኮስ። እታ ኣላዪት ሕጻናት ባይታ ከተጽርይ፣ ክዳውንቲ ክትሓጽብ ወይ ክትክሽን እውን ዘለዋ ምስ እትኸውን ዝያዳ ምኽፋል ርትዓዊ እዩ። ከምኡ እውን እታ ኣላዪት ሕጻናት ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ምስ ዝህልዋ።
ተማሃሪት ከም ኣላዪት ሕጻናት ክትቆጽር እንተድኣ መሪጽካ፣ እቲ ክፍሊት ኣብ ብዝሒ ክእለዩ ዘለዎም ሕጻናት፣ ዕድመ ናይታ ኣላዪት ሕጻናትን፣ ኣብ ምምጋብን ምድቃስን ክትሕግዝ ዘለዋ ምዃናን ዘይምዃናን ምርኲስ ብምግባር ይፈላለይ እዩ። ብሰዓት ዝሕሰብ ክትከፍል፣ ወይ ሓደ ቀዋሚ ድምር መጠን ገንዘብ ክትሰማማዕ ድማ ትኽእል ኢኻ።
ንባዕልኻ ዕረፍቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዝሰርሕ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክረክብ መሰል ኣለዎ። ነዚ ዕረፍቲ ኣቐዲምካ ካብ ኣስራሒኻ ምሕታት ግዴታ እዩ። ዕረፍትኻ ኣብ ክረምቲ ንኽትወስድ ድማ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ክረምቲ ህይወት ከም ንቡር ይቕጽል
ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ዕለታዊ ህይወት ከምቲ ልሙድ እዩ ዝቕጽል። ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጎደናን ኣብ ናይ ፍጥነት ጽርግያን ቊሩብ ህድኣት ኣሎ። ብዘይካ ኣብተን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ብዙሓት በጻሕቲ ዝመጹለን ዓበይቲ ከተማታት።
ኣብ እዋን ክምረታዊ ዕረፍቲ እቲ እንኮ ዘቋርጽ ህንጸት ጥራይ እዩ። ኣብ እዋን ክምረቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዞባ ህንጸት ን3 ሳምንታት ምሉእ ብምሉእ ደው እዩ ዝብል። ኣብ ህንጸት ትሰርሕ እንተኾንካ፣ ኣብዘን ሳምንታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ስራሕ ነጻ ኢኻ።
ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ነዚኦም ደስ ዝብሉ ነገራት ክትገብር ትኽእል
ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኦም ዝሰርሑ ወለዲ እውን ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ሒደት ሳምንታት ዕረፍቲ ይወስዱ እዮም። ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ቆልዑት ብሓባር ይኸዱ። ናብ ካልእ ቦታ ኔዘርላንድ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር ይገሹ። መብዛሕትኡ ግዜ ቴንዳ ሒዞም ናብ ደምበ ብምኻድ ይሓድሩ፣ ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ ዕረፍቲ ገዛ ይካረዩ። ወይ ድማ ንመዓልታት ንምዝንጋዕ ይወጹ። ናብ መካነ-እንስሳታት ወይ መዘናግዒ ፓርክ።
ንዕረፍቲ ዘይትኸይድ ምስ እትኸውን እውን ገና ምስ ደቅኻ ዘዘናግዕ ነገራት ክትገብር ትደልይ ትኸውን ኢኻ። ኣብ እዋን ክረምቲ ብሓባር ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ዘዘናግዑ ንጥፈታት ኣለዉ። ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ነዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት ይመርጹ፡
ኩነታት ኣየር ጽቡቕ እንተኾይኑ ብሽክለታ ወይ ብእግሪ ዙረት ክትገብርን፣ ብድሕሪኡ ድማ ዝብላዕ ሒዝካ ናብ ዝኾነ ቦታ ክትዛወርን ትኽእል።
ኣብ ሓደ ቦታ ክትሕንብስ ክትከይድ ትኽእል። ኣብ መሐንበሲ ቦታ ወይ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ምሕንባስ መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ እዩ። መሐንበሲ ቦታ ግን ገንዘብ ይሓትት እዩ።
ምስ ደቅኻ ናብ ናይ ሕርሻ መካነ-እንስሳታት ወይ መጻወቲ ጎልጎል ክትከይድ ትኽእል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ እዩ።
ወይ ድማ ኣብዚ ክረምቲ ብነጻ ናብ ቤተ-መዘክር ኪድ። ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ፡
ነጻ ናይ ቤተ-መዘክር ትኬታት ንስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ተግባር ዝያዳ ኣንብብን፣ ትኬትካ ኣዝዝን። ካብ ልዕሊ 150 ኣብያተ-መዘክር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክረምቲ ንሕጻናት ዝኸውን ንጥፈታት የዳሉው እዩ። ብነጻ ዝካየዱ ንጥፈታት እውን ይውድቡ እዮም። ብዛዕባ እዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ከተማኻ ተወከስ።
ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ እውን ብነጻ ንጥፈታት የዳልዋ እየን።