ምንጪ፡ Wikimedia Commons
ዜና

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ምናልባት ናብ ሆቴል ክትከይድ ይግባኣካ እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 14/12/2023 12:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ እኹላት መዕቆቢ ቦታታት ስለዘየለዉ ኣብ ብርክት ዝበሉ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ኩነታት ሕማቕ እዩ። ስለዚ ናብ ካልእ ቦታ ክትከይድ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

እንተወሓደ 4,000 መዕቆቢ ቦታታት ክውሰኹ ኣለዎም

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ መመዝገቢ ቦታ ናይ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ኣዝዮም ውሑዳት መዕቆቢ ቦታታት እዮም ዘለዉ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጸበዪ ክፍልታት ናይ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ይድቅሱ ነይሮም።

ምክትል ሚኒስተር ፍትሕን ጸጥታን ን NOS  ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ  ካብ 4000 ክሳብ 5000 መዕቆቢ ቦታታት ብቕልጡፍ ክውሰኹ ኣለዎም

። ሽዕኡ ጥራይ እያ ኔዘርላንድ ንስደተኛታት ክረኽብዎ ዝግባእ መጽለሊ ዳግማይ ክትህቦም እትኽእል።

1,360 መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ናብ ሆቴላት ይውሰዱ

1 ካብቲ ጠንቂ ሕጽረት መዕቆቢ ቦታታት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ሕጽረት ኣባይቲ እዩ። መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ገዛ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ፣ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዕቆቢ ኢኻ እትጸንሕ።  ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኣባይቲ ኣዝዮም ውሑዳት ስለዝኾኑ፣ ብዙሓት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ኣብ መዕቆቢ ቦታ እዮም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ።

መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ስለዚ ናብ ሓደ ኣብ ናትካ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ወይ ኣብቲ ዳሕራይ መንበሪ-ቤት እትቕበለሉ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ሆቴል ክትውሰድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ኣብቲ መዕቆቢ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ዝኸውን ዝያዳ ቦታ ዝፈጥር እዩ። ሕጂ ከባቢ 1,360 መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ካብ መዕቆቢ ቦታታት ይሰጋገሩ ኣለዉ። ምምሕዳር ከተማ ድማ ነዚኦም ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ መንበሪ ኣባይቲ ከዋድደሎም እዩ።

ብዛዕባ እቲ መዕቆቢ እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ኣብዚ ገጽ ብመዕቆቢ ናይ COA ምስ ዘይትዓግብ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ COA ወይ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል።

ብኸምዚ ኢኻ ገዛ ትረክብ

ኣብዚ ገጽ ብኸመይ ገዛ ከም እትረክብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር