ኣብ ጠረጴዛ ክሽነ ኮፍ ኢለን ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ቡንን ሽኮርን እናሰተያ ብዛዕባ ሓደ ዘስሕቕ ኩነታት ብሓባር ይስሕቓ
ምንጪ፡ Shutterstock / Shurkin Son
ተመኩሮታት
ኤልባርባሪ፡ "ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ሃገረይ ዘለኹ ኮይኑ ክስምዓኒ ክኢለ"
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/10/2024 3:24 ድ.ቀ.

ናይ ገዛእ-ርእስኻ ባህሊ ከይከሰርካ ብኸመይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትወሃሃድ ትኽእል? ወዲ 60 ዓመት ግብጻዊ ኤልባርባሪን፣ ጓል 25 ዓመት ሶርያዊት ዮምናን ተመኩሮኦም የካፍሉ።

ዮምና፡ "ኔዘርላንዳውያን ዝያዳ ቀጥታዊ እዮም፣ ሶርያውያን ድማ ዝያዳ ድፍኢታውያን"

ኤልባርባሪን ዮምናን ኣብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ፣ ናይ ኔዘርላንድ ባህሊ ብዝምልከት ሒደት ፍሉያት ነገራት ኣስተብሃሉ። ኔዘርላንዳውያን ቀጥታዊ እዮም፣ ብጽቡቕ ዝተሓሰበሎም ውሳኔታት ይወስዱ፣ ከምኡ እውን ኔዘርላንዳውያን ብስሩዕ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ እዮም። ካብቲ ኣብ መበቆል ሃገሮም ዝለመድዎ ኣዝዩ ዝተፈልየ።

ኤልባርባሪ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፣ "ኔዘርላንዳውያን መልእኽቲ ከሕልፉ ምስ ዝደልዩ ነቲ ዝደልይዎ ብቀጥታ እዮም ዝዛረቡ። ኣብ ግብጺ ዝግበር ርክብ ብዙሕ ቀጥታዊ ኣይኮነን።" ዮምና፡ "ኔዘርላንዳውያን ብጥንቃቐ ዝሓስቡ እዮም። ቅድሚ ውሳኔ ምውሳዶም ብዛዕባ ብልጫታትን ጉድኣታትን ብዕምቆት ይመዝኑ። ሶርያውያን መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ኣዝዮም ድፍኢታውያን እዮም።"

ዮምና፡ "ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር ኣዒንተይ ከፊቱለይ"

ኣብ መንጎ ኔዘርላንዳውያንን ሶርያውያንን ዓበይቲ ፍልልያት እኳ እንተሃለዉ፣ ዮምና ንኔዘርላንዳውያን ክብሪ ትህቦም እያ። "ኣብዚ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር ሓድሽ ኣረኣእያታት ህይወት ንኽህልወኒ ኣዒንተይ ከፊቱለይ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ህይወተይ ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ንጥፈታት እዩ ዝዘውር ነይሩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሞያ ኣብ ምህናጽን ኣታዊ ገንዘብ ኣብ ምርካብን ዝያዳ ተጸሚደ ኣለኹ። እዚ ድማ ብሓቂ ንኣረኣእያይ ቀይርዎ እዩ።"

ዮምና ቅድሚ 7 ዓመት እያ ምስ ኣዲኣ ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ መጺኣ። "ቋንቋ ንክመሃርን ስራሕ ንኽረክብን ብሓቂ ግዜ ክወስድ ነይሩኒ። ቋንቋን ስራሕን ኣብ መስርሕ ምውህሃደይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ብስርሐይ ኣቢለ ምስ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ባህልታት ብፍላይ ድማ ምስ ኔዘርላንዳውያን ንኽሳነይ ተማሂረ። ምስ ኔዘርላንዳውያን ብኸመይ ክረዳዳእ ከም ዝነበረኒ ድማ ተማሂረ።"

ኤልባርባሪ፡ "ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሃይማኖትን ልምዲታትን ምዕቃብ ቀሊል ኣይኮነን"

ንኤልባርባሪ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር፣ ንኔዘርላንድ ንኽርድኣን ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኮይኑ ንኽስምዖን እውን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ቋንቋ ኔዘርላንድ እናተማህረን ምስ ኔዘርላንዳውያን ዕርክነት እናፈጠረን እንከሎ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ባህሉን ሃይማኖቱን እውን ጸኒዑ።

ኤልባርባሪ፡ "ኩሉ ግዜ ኣማኒ እስልምና ኮይነ እየ ቀጺለ፣ ባህላዊ ክብርታተይ ድማ ዓቂበ። ንኣብነት ኣልኮላዊ መስተ ፈጺመ ኣይሰቲን እየ፣ ከምኡ እውን ስጋ ሓሰማ ኣይበልዕን እየ። ዋላ እኳ ልክዕ ከምቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብካ እትገብሮ ሃይማኖትካን ልምዲታትካን ምዕቃብ ቀሊል እንተዘይኮነ። ኣብዚ ብዙሓት ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩን ስጋ ሓሰማ ዝበልዑን ሰባት ትርእይ ኢኻ። በዚ ድማ ክትጽሎ ትኽእል ኢኻ።"

ኤልባርባሪ፡ "ውህደት ሕጂ ካብቲ ቀደም ዝነበረ ዝኸበደ እዩ"

ዋላ እኳ ሕጂ ዮምናን ኤልባርባሪን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ኮይኑ ዝስምዖም እንተኾነ፣ እቲ ናብኡ ዝወስድ መንገዲ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ኤልባርባሪ ከምዚ የስተብህል፡ "ውህደት ሕጂ ካብቲ ቀደም ዝነበሮ ዝኸበደ እዩ ኮይኑ። ብዙሕ ባዕሉ ዝኸውን ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዙሓት ጠለባትን ሕግታትን ተወሲኾም። ንኣብነት ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ክትረክብ እንተደሊኻ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝያዳ ከቢድ እዩ። ሕጂ ናይ ምውህሃድ ፈተናታት ክትወስድ ኣለካ። ቀደም ከምኡ ኣድላዪ ኣይነበረን።"

ዮምና እውን ንኽትወሃሃድ ልዑል ጸቕጢ ተሰሚዕዋ እዩ፣ እንተኾነ ግን ካብ ባህላ ምስ ዝመጽኡ ሰባት እትገብሮ ርክብ ብሓቂ ሓጊዝዋ እዩ። "ኣብ ኔዘርላንድ ከማይ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኣደን ሓደ ዓይነት ባህላዊ ክብርታትን ምስ ዘለዎም ሰባት ርክብ ስለዘለኒ፣ ኣብዚ ቀልጢፈ ኣብ ሃገረይ ዘለኹ ኮይኑን ውሕስነትን ተሰሚዑኒ። ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ባዕለይ መንነት ክዕቅብ ይኽእል እየ ዝብል ስምዒት እውን ነይሩኒ። ከምኡ እውን እቲ ስምዒት ንኽወሃሃድ ሓጊዙኒ እዩ፣ እዚ ኣነቓቒሑኒ። ካብ ባህልኻ ምስ ዝመጽኡ ሰባትን ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ዝርከቡ ሰባትን ቅኑዕ ርክብ ምግባር ንምውህሃድ ዝሕግዝ ይመስለኒ።"


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?