ዓንቀጽ
ዝያዳ ወይ ሒደት እንተድኣ ኮይንካ ክትሰርሕ ብፋይናንስ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/2/2025 3:18 ድ.ቀ.
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ዝያዳ ወይ ሒደት ዲኻ ክትሰርሕ? ወይ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ደው ከተብል ዲኻ? ስለዚ ክዋደዱ ዝግባእ ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኩነታት ስራሕካ ምስ ዝቕየር እንታይ ከተዋድድ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ስራሕ ውዕልካ ኣይክናዋሕን እዩ
ግዝያዊ ውዕል ድዩ ነይሩካ፣ ውዕልካ ድማ ኣይናክናዋሕን ድዩ? ስለዚ ምናልባት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ከተዋድዶ ዘለካ እዚ እዩ፡
ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ሰሪሕካ ዲኻ? ስለዚ ካብ UWV ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ኣመልክት። እዚ ግዝያዊ ደገፍ፣ ሓድሽ ስራሕ ኣብ እትደልየሉ እዋን ንኣታዊኻ መመላእታ ንምግባር ይሕግዘካ።
ትሕቲ 6 ኣዋርሕ ዲኻ ሰሪሕካ፣ ወይ ኣብ ሰሙን ሒደት ሰዓታት ጥራይ ዲኻ ትሰርሕ? ስለዚ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ኣመልክት።
ኣታዊታትኩም ብሓባር ምጽንባር፣ ንብዝሒ ናይ ከም በዓል ኣበል ክራይን ኣበል ጥዕናን ዝኣመሰለኡ እትረኽቦም ኣበላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብሓንሳብ ክትነብሩ ምዃንኩም ንበዓል-መዚ ግብሪ ኣፍልጡ። ብድሕሪኡ በዓል-መዚ ግብሪ ገና ኣበል ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ክንደይ ምዃኑን ብምቕማር ከፍልጡኻ እዮም።
ስራሕ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ ጡረታ ኣይትሃንጽን ኢኻ። ወለንታዊ ናይ ጡረታ ኣበርክቶ ንምኽፋል ኣብ ግምት ኣእቱው፣ ወይ ንጡረታኻ ከተዋህልለሉ እትኽእል ካልእ ኣገባባት ድለይ።
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል ነይርካ ስራሕ ክትጅምር ኢኻ
ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል ዲኻ፣ ሓድሽ ስራሕ ድማ ረኺብካ ዲኻ? ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ኣዋድድ፡
ሓድሽ ስራሕ ምርካብካ ብቕልጡፍ ንምምሕዳር ከተማ ሓብር። ብመሰረት ሓድሽ ኣታዊኻ ድማ ንእትረኽቦ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ የስተኻኽልዎ ወይ ደው የብልዎ።
ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ፣ ኣብቲ ናይ ሓድሽ ስራሕካ ናይ ፈተነ ግዜ ገና (ከፊላዊ) ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንምምሕዳር ከተማኻ ዝምልከት ምዃኑን ዘይምዃኑን ሕተት።
ኣታዊታትኩም ብሓባር ምጽንባር፣ ንብዝሒ ናይ ከም በዓል ኣበል ክራይን ኣበል ጥዕናን ዝኣመሰለኡ እትረኽቦም ኣበላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብሓንሳብ ክትነብሩ ምዃንኩም ንበዓል-መዚ ግብሪ ኣፍልጡ። ብድሕሪኡ በዓል-መዚ ግብሪ ገና ኣበል ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ክንደይ ምዃኑን ብምቕማር ከፍልጡኻ እዮም።
ደገፍ ሽቕለት ኣልቦነት ክትቕበል ጸኒሕካ ሕጂ ናብ ስራሕ ክትምለስ ኢኻ
ደገፍ ሽቕለት ኣልቦነት ትቕበል ኮይንካ፣ ግን ድማ ሓድሽ ስራሕ ክትጅምር እንተድኣ ኮይንካ እዚ ከተዋድድ ኣለካ፡
ክልተኹም ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበሉ እንተድኣ ኮይንኩም፣ እቲ ደገፍ ን1 ስድራ-ቤት ናብ ዝወሃብ ደገፍ ክቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ማለት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንሓደ ሰብ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ ይንክይ ማለት እዩ። ሓደ ካባኻትኩም ዝሰርሕ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፣ ናይቲ ካልእ ሰብ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ እውን ክንክይ ይኽእል። ምስቲ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝህበካ ምምሕዳር ከተማ ርክብ ብምግባር ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓድሽ ኩነትካ ሓብር።
ኣታዊታትኩም ብሓባር ምጽንባር፣ ንብዝሒ ናይ ከም በዓል ኣበል ክራይን ኣበል ጥዕናን ዝኣመሰለኡ እትረኽቦም ኣበላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብሓንሳብ ክትነብሩ ምዃንኩም ንበዓል-መዚ ግብሪ ኣፍልጡ። ብድሕሪኡ በዓል-መዚ ግብሪ ገና ኣበል ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ክንደይ ምዃኑን ብምቕማር ከፍልጡኻ እዮም።
ዝያዳ ወይ ሒደት ክትሰርሕ ኢኻ
ዝያዳ ወይ ሒደት ክትሰርሕ እንተድኣ ጀሚርካን፣ ደሞዝካ እንተድኣ ተቐይሩን እዚ ከተዋድድ ኣለካ፡
ክልተኹም ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበሉ እንተድኣ ኮይንኩም፣ እቲ ደገፍ ን1 ስድራ-ቤት ናብ ዝወሃብ ደገፍ ክቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ማለት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንሓደ ሰብ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ ይንክይ ማለት እዩ። ሓደ ካባኻትኩም ዝሰርሕ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፣ ናይቲ ካልእ ሰብ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ እውን ክንክይ ይኽእል። ምስቲ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝህበካ ምምሕዳር ከተማ ርክብ ብምግባር ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓድሽ ኩነትካ ሓብር።
ኣታዊታትኩም ብሓባር ምጽንባር፣ ንብዝሒ ናይ ከም በዓል ኣበል ክራይን ኣበል ጥዕናን ዝኣመሰለኡ እትረኽቦም ኣበላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብሓንሳብ ክትነብሩ ምዃንኩም ንበዓል-መዚ ግብሪ ኣፍልጡ። ብድሕሪኡ በዓል-መዚ ግብሪ ገና ኣበል ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ክንደይ ምዃኑን ብምቕማር ከፍልጡኻ እዮም።
ተዓጻጻፊ ወይ ግዝያዊ ውዕል ኣለካ
ናይ ጻውዒት ስራሕ ውዕል ወይ ግዝያዊ ስራሕ ዝኣመሰለ ተዓጻጻፊ ውዕል ድዩ ዘለካ? ስለዚ ነዚኦም ጉዳያት ምውዳድ ኣገዳሲ እዩ፡
ክልተኹም ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበሉ እንተድኣ ኮይንኩም፣ እቲ ደገፍ ን1 ስድራ-ቤት ናብ ዝወሃብ ደገፍ ክቕየር ይኽእል እዩ። እዚ ማለት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንሓደ ሰብ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ ይንክይ ማለት እዩ። ሓደ ካባኻትኩም ዝሰርሕ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፣ ናይቲ ካልእ ሰብ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ እውን ክንክይ ይኽእል። ምስቲ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ዝህበካ ምምሕዳር ከተማ ርክብ ብምግባር ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓድሽ ኩነትካ ሓብር።
ኣታዊታትኩም ብሓባር ምጽንባር፣ ንብዝሒ ናይ ከም በዓል ኣበል ክራይን ኣበል ጥዕናን ዝኣመሰለኡ እትረኽቦም ኣበላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ ብሓንሳብ ክትነብሩ ምዃንኩም ንበዓል-መዚ ግብሪ ኣፍልጡ። ብድሕሪኡ በዓል-መዚ ግብሪ ገና ኣበል ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ክንደይ ምዃኑን ብምቕማር ከፍልጡኻ እዮም።
ጡረታ ክትወጽእ ኢኻ
ጡረታ ትወጽእ እንተድኣ ኮይንካ እዚ ከተዋድድ ኣለካ፡
ዳርጋ ኣብ AOW ማለት ናይ ጡረታ ዕድመ ዲኻ ትርከብ? ስለዚ ካብ ባንክ ማሕበራዊ መድሕን (SVB) ናይ AOW ደገፍ ንምርካብ ኣብ ግዚኡ ኣመልክት። ኣብ 2024 ናይ AOW ዕድመ ጡረታ 67 እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ AOW ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ነዚ ደገፍ ኣብ ግዚኡ ከም እትረኽቦ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል።
ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ዝርከብ ኣስራሒ ሰሪሕካ ዲኻ? ስለዚ ካብ 67 ዓመት ዕድመ ጡረታ ጀሚርካ መመላእታ ጡረታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ናይ ጡረታኻ ገንዘባዊ ደገፍ ንምውዳድ ምስ ናትካ ማዕከን ጡረታ ርክብ ግበር። ምሉእ ወይ ከፊላዊ ገንዘባዊ ደገፍ ብዛዕባ ዝኣመሰለ ኣማራጺታትካ ተመያየጥ፣ ከምኡ እውን ክንደይ ክትቕበል ምዃንካ ከም ዝቕመር ግበር። ክፍሊት መዓስ ከም ዝጅምርን፣ ዓይነት ጡረታኻ ብዝምልከት እንታይ ምርጫታት ከም ዘለካን ምፍላጥካ ድማ ኣረጋግጽ።