ምንጪ፡ Malte Luk
ዓንቀጽ

ዝያዳ ወይ ሒደት እንተድኣ ኮይንካ ክትሰርሕ ብፋይናንስ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/2/2025 3:18 ድ.ቀ.

ዝያዳ ወይ ሒደት ዲኻ ክትሰርሕ? ወይ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ደው ከተብል ዲኻ? ስለዚ ክዋደዱ ዝግባእ ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኩነታት ስራሕካ ምስ ዝቕየር እንታይ ከተዋድድ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ስራሕ ውዕልካ ኣይክናዋሕን እዩ

ግዝያዊ ውዕል ድዩ ነይሩካ፣ ውዕልካ ድማ ኣይናክናዋሕን ድዩ? ስለዚ ምናልባት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ከተዋድዶ ዘለካ እዚ እዩ፡

ንልዕሊ 6 ተኸታተልቲ ኣዋርሕ እንተድኣ ሰሪሕካ፣ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ኣመልክት

ትሕቲ 6 ኣዋርሕ እንተድኣ ሰሪሕካ፣ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ኣመልክት

ኣበላትካ ተቖጻጸርን ኣስተኻኽልን

ጡረታኻ ኣዋድድ

ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል ነይርካ ስራሕ ክትጅምር ኢኻ

ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል ዲኻ፣ ሓድሽ ስራሕ ድማ ረኺብካ ዲኻ? ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ኣዋድድ፡

ሓድሽ ስራሕ ምርካብካ ንምምሕዳር ከተማ ሓብር

ኣበላትካ ተቖጻጸርን ኣስተኻኽልን

ደገፍ ሽቕለት ኣልቦነት ክትቕበል ጸኒሕካ ሕጂ ናብ ስራሕ ክትምለስ ኢኻ

ደገፍ ሽቕለት ኣልቦነት ትቕበል ኮይንካ፣ ግን ድማ ሓድሽ ስራሕ ክትጅምር እንተድኣ ኮይንካ እዚ ከተዋድድ ኣለካ፡

ንገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፋትካ ለውጢታት ሓብር

ኣበላትካ ተቖጻጸርን ኣስተኻኽልን

ዝያዳ ወይ ሒደት ክትሰርሕ ኢኻ

ዝያዳ ወይ ሒደት ክትሰርሕ እንተድኣ ጀሚርካን፣ ደሞዝካ እንተድኣ ተቐይሩን እዚ ከተዋድድ ኣለካ፡

ንገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፋትካ ለውጢታት ሓብር

ኣበላትካ ተቖጻጸርን ኣስተኻኽልን

ተዓጻጻፊ ወይ ግዝያዊ ውዕል ኣለካ

ናይ ጻውዒት ስራሕ ውዕል ወይ ግዝያዊ ስራሕ ዝኣመሰለ ተዓጻጻፊ ውዕል ድዩ ዘለካ? ስለዚ ነዚኦም ጉዳያት ምውዳድ ኣገዳሲ እዩ፡

ንገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፋትካ ለውጢታት ሓብር

ኣበላትካ ተቖጻጸርን ኣስተኻኽልን

ጡረታ ክትወጽእ ኢኻ

ጡረታ ትወጽእ እንተድኣ ኮይንካ እዚ ከተዋድድ ኣለካ፡

ኣብ ግዚኡ AOW ኣመልክት

ናይ ጡረታኻ ገንዘባዊ ደገፍ ኣዋድድ


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር